ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ‘መከላኸሊ ሕርሲ መፍትሕ ዘላቒ ልምዓት ኣይኮነን’ ቅድስቲ መንበር፡ ‘መከላኸሊ ሕርሲ መፍትሕ ዘላቒ ልምዓት ኣይኮነን’  (ANSA)

ቅድስቲ መንበር፡ ‘መከላኸሊ ሕርሲ መፍትሕ ዘላቒ ልምዓት ኣይኮነን’

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት መበል ሰላሳ ዓመት ዝኽሪ ኣህጉራዊ ጉባኤ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን ካይሮ (ICPD) ኣብ ዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ፡ ሕግታት ምቁጽጻር ጥንሲ ምድንፋዕ ድኽነት ዓለም ንምጥፋእን ዘላቒ ምዕባለ ንምርግጋጽ ከምዘይሕግዝ ደጊሞም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምስሪ ርእሰ ከተማ ካይሮ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን (ICPD) ኣስታት ሳላሳ ከም ዘሕለፈን እዚ ዋዕላ እዚ ንዓለምለኻዊ ኣቀራርባ ኣብ ጉዳያት ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን ዝቐየረ፣ ንዘላቒ ልምዓት ዝኸውን ተባዕ ዝክረ ነገራት ዝገልጽ እዩ።

መደብ ስራሕ ካይሮ

እቲ ዋዕላ ካብ ዕለት 5 - 13 መስከረም 1994 ዓ.ም. ኣብ ካይሮ ኣስታት 20,000 ልኡኻት ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ድማ ንሰብኣዊ መሰላት ቀዳምነት ከይሃብካ ከምኡውን ዘይማዕርነትን ድሌትን ውልቀ - ሰባት ኣንስትን ሰብኡትን ከይተማልአ ንዅሉ ዝሓቍፍ ቀጻሊ ምዕባለ ምኽዋን ከም ዘይከኣል ዘረጋግጸ ታሪኻዊ ውሳኔታት ዝወደበን ከም ዝነብረን ገለ ካብቲ ብርቱዕ ድላይ ዝመልኦ ሸቶታታ ክቱር ድኽነትን ጥሜትን ምጥፋእ ኣድማሳዊ መባእታዊ ትምህርቲ ምርካብ ምድንፋዕ ጾታዊ ማዕርነትን ምሕያል ግደ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምንካይ ሞት ህጻናት፡ ከምኡ’ውን ምምሕያሽ ጥዕና ኣዴታት ዝብሉ ዘጠቓልል ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዝክረ ነገር ሕቡራት ሃገራት 2030 ዓ.ም.

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ልምዓት ርኡይ ምዕባለታት ተራእዩ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ 2015 ዓ.ም. ድኽነት ንምውጋድ፣ ጾታዊ ማዕርነት ንምዕዋት፣ ጥዕናን ሰናይ ሂወትን ኩሉ ሰባት ንምውሓስ ዕላማታት ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (SDG) ምስ ምጽዳቑ እቶም ብኣጀንዳ 2030 ዓ.ም. ዝፍለጡ 17 ዓለም ለኻዊ ሸቶታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ሓድሽ ዘመን ምዕባለ ንምምጻእ ኣብ ሰፊሕ መዳያት - ማለት ኣብ ከባብያዊ ስጉምቲ፡ ህዝባዊ ጥዕና፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ትምህርትን ካልእ ብዙሕን ሓባራዊ ጻዕሪ ክግበር ይጽውዑ።

ሓደሽቲ ብድሆታት ብምግጣም ድኽነት ምጥፋእ

ይኹን እምበር ድሕሪ ሰላሳ ዓመት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቅልውላው ከምኡውን ካብ ብዝሓ ጎናውነት ምንስሓብ ነቲ ታሪኻዊ ዓወት ኣብ ሓደጋ የእትዎ ጎደና ምዕባለ እውን የሰናኽል ምህላውን፡ "ብፍላይ ድኽነት ንምጥፋእ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ብዙሕ ብድሆታት ከም ዘሎ ንጹር ምዃኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ የስተብህሉ።

መከላኸሊ ጥንሲን ምንጻል ጥንሲን ድኽነት ንምዕጋት ኣይሕግዝን እዩ

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ነዚ ዝኽሪ ንምኽባር ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ ክርብ ተሳቲፎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣተገባብራ መደብ ስራሕ ኣህጉራዊ ጉባኤ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን ካይሮ (ICPD)ዝሓንጽጾ መደብ ተግባሪ ሸቶታት (PoA) ክወሃቦ ዝነበሮ ትኹረት እናጸበበ” ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጾም፡ “ሳዕቤኑ ድማ ካብ ምፍታሕ ጉዳያት ልምዓት”  ምርሓቕ ኮይኑ ከም ዘሎን። ብፍሉይ ነቲ ካብ ዋዕላ ካይሮ ጀሚሩ ኣካታዒ ጉዳይ ኮይኑ ዝጸንሐ ድኽነት ንምዕጋትን ምዕባለ ንምድንፋዕን ዝሕግዝ መንገዲ ምዃኑ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ንሕግታት ምቁጽጻር ጥንሲ ምንጻል ጥንሲ ሓዊሱ ዝህብዎ ዘለዉ ቀጻሊ ትኹረት ጠቒሶም፥

“እቲ ዘተ ከም ዘንቆልቆለን፡ ብዙሓት ንብዝሒ ህዝቢ ከም ‘ክፍታሕ ዘለዎ’ ጸገም ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ ኣለዉ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ብጉልባብ ፖለቲካዊ ቅኑዕ ቋንቋ ምንጻል ጥንሲ ዝግበር ድፍኢት ዘተባብዕ ምዃኑ ንጹር እዩ፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን ናይቲ ጉባኤ መደባት ትግባረ መስርሕን ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ።  

"እዚ ንትግባሬ ነቲ ናይ ካይሮ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን መደባት ትግባሬኡ ዝጎድእ ብትኽኽል ነቲ ዕላማ ዘይምርዳእን ዘመላኽትን፡ “ንዝተቐደሰ ሕይወት ወዲ ሰብን ዘይገሃስን ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘዳኽም እዩ።”

ምቁጽጻር ብዝሒ ህዝቢ መፍትሕ ንዘላቒ ልምዓት ኣይኮነን

ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ነቲ “ምቁጽጻር ብዝሒ ህዝቢ ንዘላቒ ልምዓት መሰረት እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ” ደጊሞም ድሕሪ ምንጻግ ኣብ ክንድኡስ፡ "ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ንተኽእሎኦም ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃም ኣጋጣሚ ኸም ዚረኽቡ ውሕስነት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ" ቢሎም፥ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመት ብዛዕባ ጾታውን ናይ ምፍራይን መሰላት ጥዕናን ኣብ ዝምልከት ጕዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝግበር ዘተ ሰፊሕ ተሳትፎ ገይራ እያ፡ ጥዕና ምፍራይ ምንጻል መሰል ከም ዘጠቓልል ሓሳብ ምሃብ ከኣ ንልሳን እቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን (ICPD) ብንጹር ከም ዝጥሕስ ከምኡውን ስነ - ምግባራውን ሕጋውን መዐቀኒታት ዝጥሕስ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 May 2024, 09:17