ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላህ ዳግማዊ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላህ ዳግማዊ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላህ ዳግማዊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ግንቦት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላ ዳግማዊ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 2 ግንቦት ንጉሆ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ቅዱስነቶም ካብ ርሑቕ ዓመታት ብቐረባ ንዝፈልጥዎም ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብዱላህ ዳግማውን ኣሰነይቶምን ተቐቢሎም ከም ዘዘረረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 2 ግንቦት ከም ዝሓበረን ቅዱስነቶም ምስ ንጉስ ኣቡዱላህ ዳግማዊ 20 ደቓይቕ ዝወሰደ ግላዊ ዘተ ከም ዘካየዱ እቲ ዘተን ርክብን እውን ኣዚዩ ምዉቕን ልባውን ምንባሩ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመን ሓቢሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈለማ ግዜ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ንዮርዳኖስ እውን ዘጠቓለለ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ቅድስቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዖማን ምስ ንጉስ ኣቡዱላህ ዳግማዊ ከም እተራኸቡ የዘኻኽር።

03 May 2024, 17:12