ድለ

South Sudan's refugee establishes soccer academy in Egypt for a better future for children  South Sudan's refugee establishes soccer academy in Egypt for a better future for children   (ANSA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ስፖርት ናይ ምርኻብን ምሕባርን ባይታ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ብዛዕባ ስፖርትን መንፈሳውነትን እተገብረ ኣህጉራዊ ዋዕላ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ፣ ኣብኡ ኸኣ እቲ ናይ ሓቂ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ውድድር ስለ ዚዕቀብ እቲ "መዘናግዒ" ዝኾነ መንፈስ ኣብ ስፖርት ፈጺሙ ኺጐድል ኸም ዘይብሉ ኣመልከቱ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲአን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ 16-18 ግንቦት ኣብ ከተማ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ኣኼባ ስፖርትን መንፈሳውነትን ንዚሳተፉ ዘለዉ ተጋባእቲ ሰላምታን ምትብባዕን ዚገልጽ መልእኽቲ ለኣኸሎም።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ባህልን ዝግደድ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ከምኡ ውን ብኤምባሲ ፈረንሳ ናብ ቅድስቲ መንበርን እተወደበ ኮይኑ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ብ2024 ኣብ ፓሪስ እተመደ ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታት ዘተባብዕ ክፍሊ ኮይኑ ዝቐረበ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ስፖርት ኣብ ሕብረተሰብ ብዝያዳ ኣገዳሲ ግደ ኣብ ዘለዎ ዓለም ንነብር ከም ዘለና እንከስተንትኑ "ተግሳጽን ጠባይን እስፖተይናታት ናይ ጥዑይ ውድድር፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ተምሳል ውርዝና ክርስትያናዊ ህይወት ጌርካ እዩ ዚርአ" በሉ።

ሎሚ እውን እንተ ዀነ "እዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዚ ንዅሎም እቶም ብገለ መገዲ ንኣምላኽ ኬሐጕሱን ፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዎም ንኪዀኑን ዚደልዩን ዚጽዕሩን ሰባት ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ" በሉ።

ነቲ ንመንፈሳዊ ህይወት ምስ ስፖርታዊ ንጥፈታት ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ዘመሳሰሎ ሓዋርያ ጳውሎስ ብምጥቃስ ስፖርት ከም መዘናግዒ ጥራይ ዘይኰነስ ንብሕታዊ ዕቤትን ሓድነትን ዝጠቅም መሳርሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ገለጹ።

"ስፖርት (...) እዚ ኸኣ ተገዳስነትን ኣጋጣምን ዘለዓዕል ንሰባት ዘሕብሮም ማሕበረሰብ ዝፈጥር ህይወት ብስርዓት ዘደልድል ከምኡ ውን ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ወለዶታት ሕልምታት ዘደንፍዕ መዘናግዒ ግዜ ዘሕልፉሉ መገዲ ኢዩ " በሉ ።

ነቲ 'ናይ ምዝንጋዕ መንፈስ' ምዕቃብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደረጃ ውድድር ብዘየገድስ ነቲ ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ዘሎ ንጽህናን ሓቅነቱን ዚልለ መንፈስ ንምዕቃብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣግፊሖም ገለጹ። በዚ ኸምዚ ጥራይ እዩ ንትርጕም ስፖርታዊ ውድድራት ክዕቅቦ ዚኽእል ክብሉ ውን ገለጹ ።

"ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ኣብ ኵሉ ደረጃታት እቲ ናይ ሓቂ መንፈሱ ምዕቃብ ፈጺሙ ክጐድሎ የብሉን" ድማ በሉ።

ነዚ መንፈስ እዚ ምቕባል ኣብ ዓወት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ጕዕዞ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ሓድነትን ዕቤትን እተመርኰሰ ናይ ሓቂ ዓወት ንምርካብ፣ እስፖርታዊ ብርታዐን መንፈሳዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ምትሕንፋጽ ከም ዘድሊ ገለሱ።

ኢየሱስ ፦ ናይ ሓቂ ስፖርተኛ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ስፖርት ዘጋጠማ ተመክሮ ኸተስተንትንን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነታ ብዚግባእ ከተተኩርን ከም ዘለዋ፣ ኣብ ስፖርት ኮነ ትምህርትን ጕስነት ከም ዜድሊ እውን ኣጕሊሖም ይርከቡ።

ነቲ ኣብ ኢዮቤል 2000 ዓመተ ምሕረት ስፖርታዊ ንጥፈታት ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘመሓላለፍዎ ስብከት ውን ይዝክሩ "እቶም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ዝካፈሉ ንኢየሱስ ከም 'ናይ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ስፖርተኛ' ገይሮም ከቐርብዎ ጻውዒት የቕርበሎም ኣሎኹ" ከም ዝበሉ ውን ኣዘኻኸሩ።

ወሲኾ ድማ ቅዱስነቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጸ ኣዋጃት ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ስፖርት ዘለዋ ተመኵሮ ከም ዘመሓይሾ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ከም ዝህልዋ ዝገብር ብዛዕባ ምጕዳል ሰብኣውነትን ብልሽውናን መጠንቀቕታ ከም እትህብን ከምኡውን ኣብ መንጎ ሰባትን ኣሕዋትን ንምርኻብ ከም ፍሉይ ባይታ ገይሩ ከም ዘደንፍዖ ውን ገለጹ።

ንመንእሰያት ሓላፍነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም እዚ ዋዕላ ነቲ መንእሰያት ከም ኣካየድቲ ስራሕን ኣሰልጠንቲን ከምኡውን ስፖርተይናታትብ ዘለዎም ሓላፍነት ዘጕልሕ ምዃኑ ገለጹ ።

"ኣብ ሰብኣዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እተመስረተ ሕልናኦም ጥዑይን ኣካላዊ ቅርጾም ብቑዕን ዘለዎ ናይ ስፖርት ሃዋሁ ንምፍጣር ወሳኒ ኢዩ፣ እዚ ድማ ንዝዀነ ይኹን ናይ ትምህርቲ ኣረኣእያን፣ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ማህሰይቲ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያትን ንመሳኪንን ንምክልኻል ወሳኒ ኢዩ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ነቶም ተሳተፍቲ ኻብ ደረት ስፖርታዊ ንጥፈታት ሓሊፎም ብዛዕባ "ካብ ስፖርት ወጻኢ ዚግበር ስፖርት" ኪሓስቡ ነቲ ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን መንፈሳውን ስፍሓት ስፖርታዊ ውድድራት ኣኽቢሮም ብምርኣይ ከምኡውን ኣወንታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ንምግባር ከም መራሕቲ መጠን ዘለዎም ተኽእሎ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣጸቢቖም ክጽዕሩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

17 May 2024, 12:10