ድለ

2024.05.13 Comunità Monastica dell'Abbazia di Montevergine 2024.05.13 Comunità Monastica dell'Abbazia di Montevergine  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፣ ፈለስቲ 'ንኣምላኽ' ዝተዋህቡን 'ኣምላኽ' ንሰባት ዝሃቦም ውህበት ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መበል ትሽዓተ ሚእቲ ዓመት መሰረታ ማሕበሮም፣ ምስ ኣበ-ምኔታትን ፈለስትን ተሓባበርቶምን ናይ ገዳመ መነኮሳት ሞንተ-ቨርጂን (ደብረ ደናግል) ተራኺቦም ። ንማሕበሮም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ውህበት ከቕርብዎን፣ ንኻልኦት ውህበት ኣምላኽ ኪዀኑን ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ተወከልቲ ገደመ ሞንተ-ቨርጂን ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መበል ትሽዓተ ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ መሰረታ ገዳሞም ተራኺቦም ።

እታ ኻብ ጽፍሒ ባሕሪ 4,170 ሜትሮ ብራኸ ኣብ ዘለዎ ቦታ ተደኲና እትርከብ ገዳም፣ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዚርከብ ኣኽራን ካምፓንያ ኣፐኒን ብ1124 ብቅዱስ ዊልያም ብዓል ቨርቸሊ እተመስረተት ገዳም ኢያ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እተረኽቡ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበሎም፣ ብዛዕባ መበቈል ገዳሞም እንታይ ከም ዝመስል ኣዘኻኸእዎም ፣ ኣብኡ ኸኣ "ተኣምራት ወይ ፍልይ ዝበለ ፍጻመታት ኣይነበረን፣ የግዳስ ነቲ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታ ቤተ - ክርስትያን ኪሃንጽን ንኣምላኽ ንምግልጋል ሒደት ሰባት ኪእክብን ዚደሊ ዝነበረ ናይ ኣቡነ ኣቨሊኖ ፍሉይ ጉስነት እዩ ዝነበረ ፣  ማእከል ጸሎትን ወንጌላውነትን ረድኤትን ንምግባር ከአ ኢዩ ዕላማኡ ዝነበረ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኽልተ ኣገዳሲ ስፍሓት ህይወት ፈለስቲ ዝኾነ ጸሎትን ኣገልግሎትን ብምትኳር፣ ነቶም ፈለስቲ "ውህበት ኣምላኽ ምእንቲ ክትኰኑ ንርእስኹም ንኣምላኽ ውህበት ግበሩ" ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ውህበት ንኣምላኽ

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ጸዋዕታ ገዳማውያን መነኮሳት ንጸሎት ሱር ኵሉ ተግባር ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ድሕሪ ቢሎም፣  ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ብዛዕባ ገዳምን ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘደብረ ደናግል ሞንተ-ቨርጂንን ገለጹ ።

"ምእመናን ኣብ እዋን ንግደት ናይዚ ገዳም ምጽንናዕን ተስፋን ንምርካብ መብዛሕትኡ ግዜ ብእግሮም ተጓዒዞም ኢዮም ናብኡ ዝመጹ" በሉ።

ልክዕ ከምቲ ነቶም ነጋድያን ሓንጐፋይ ቢሉ ዝቕበሎም ምልኩዕ ስእሊ ኣደ ኣምላኽ፣ እቶም ፈለስቲ እውን ኪጽልዩን "ዓበይትን ሕያዎትን ኣዒንቲ ኺህልዎምን ንዅሎም ብርሕታሔ ክጥምትዎምን ኣለዎም" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

ካልእ ንህይወት እቶም ፈለስቲ መልእኽቲ ዝሓዘ ምስሊ ኸኣ እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ሓደጋ ቦምብታት ንምዕቋብን ንምኽባርን ተባሂሉ ብምስጢር ናብዚ ቅዱስ ቦታ እተላእከ ቅዱስ መጋንዝ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶም ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ብዛዕባ እዚ "ጽቡቕ ምስሊ ኣብ መጋንዝ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ፣ እቲ ቐንዲ ጸዋዕታኹም ነቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ምስሊ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትሕልውዎን ንኣሕዋትኩም ከተርእይዎም ኢኹም ተጸዊዕኩም ዘሎኹም" በልዎም።

ናይ ኣምላኽ ውህበት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ውህበት ኣምላኽ ምዃን፣ ነቶም ናብ መቕደስ ዚመጹ ብልግሲ ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ " ማለት እዩ ። እዞም ፈለስቲ ድማ ነቶም ነጋድያን ሓንጐፋይ ኢሎም ከም ዚቕበልዎምን ናብ ኣደ ኣምላኽ ከም ዘምርሑ ኪገብሮም ኣተባብዕዎም ።

ከም ፈለስቲ መጠን ኣብ ህይወቶም ብኣካላዊ ህላዌ ርሒቕካ ግን ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ናብ ዓለም ዝቐረቡ "ህያውን ጥበበይናን ምልክት ህላወ ኣምላኽ" ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣዘኻኸርዎም።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መግለጺኦም "እቶም ብርሃን ደልዮም ናባኻትኩም ዚመጹ ምእንቲ ኸይጕህዩ ብኣምላኽ ብቐጻሊ ኽትልወጡን፣ ልብኹም ከተሐድሱን ብእኡ ኽትዓብዩን እምበር ምስ ኣተሓሳስባን ኣገባብን ዓለም ተሰማሚዕኩም ክትመላለሱ ኣብ እትፍተኑሉ ፈተና ኸይትወድቁ" ክብሉ መዓድዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ነቶም ፈለስቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ "ቤተ ማርያም" ዝነብሩሉ ዘለዉ ህይወት ወፈያ ብምዝኽኻር "ነዚ ውህበት እዚ ኣኽቢርኩም ሓዝዎ ንዅሉ ምእንቲ ኸተካፍልዎ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ኣማዕብልዎ" ድማ በልዎም ። "ካብ ልቢ እባርኸኩም ኣለኹ፣ በጃኹም ምእንታይ ክትጽልዩ ድማ እምሕጸነኩም" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘመ።

14 May 2024, 15:48