ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ትምህርቲ ሰባት ክሓንጽ ኣለዎ እምበር ዘይከኣል ርእዮተ ዓለም ከቕርብ የብሉን ር.ሊ.ጳ.፡ ትምህርቲ ሰባት ክሓንጽ ኣለዎ እምበር ዘይከኣል ርእዮተ ዓለም ከቕርብ የብሉን  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፡ ትምህርቲ ሰባት ክሓንጽ ኣለዎ እምበር ዘይከኣል ርእዮተ ዓለም ከቕርብ የብሉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኣባላት እቲ ኻብ ባርቸሎና ዝመጸ ማሕበረሰብ ብላንከርና ኣባላት ተራኺቦም መናብርተ ጥበብ ካቶሊካውያን ንሰባት ኣእምሮኦምን ልቦምን ንኼቝሙ ዚሕግዞም ትምህርቲ ዝህባ ክኾና ኣለወን እንክብሉ ተማሕጸኖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ዕዳጋታትን ጕጅለታት ጸቕጥን ክጽዕኑና ዝጽዕሩ ክበጻሕ ዘይከኣል ርእየተ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ኰን ኢዩ ዘምጽእ" እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ግንቦት ምስ ኣባላት ኣብቲ ኣብ ስጳይይና ከተማ ባርቸሎና ዝርከብ ማሕበር ብላንከርና መንበረ ጥበብ ራሞን ሉል ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ፡ ብላንከርና ዝብል ስም ናይቲ ካብቲ ኣብ መበል 13  - 14 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ፈላስፋን ናይ ቲዮሎጊያ ምሁርን ብጹእ ራሞን ሉል ድረሰታቱን ስነ-ጽሑፋዊ ገጸ-ባህርያቱን ተክለ ሰብነት ዝገበረ ምዃኑ ኣስተብሃሎም፡ ብጹዕ ሉል ካብቶም "ካብ ክውንነትና ክሃድሙ ዝደልዩ “ጸንፈይናውያን” ርሒቑ ኣብ ክንዳኡስ ፥ "ሓደ ሰብ ንጐይታ ከገልግለሉን ሕጉስ ክኸውንን ዘኽእል ተራ ኣገባብ ህይወት" የቕርብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክርስትያናዊ ጉዕዞ ሞያ ዘይኰነስ ጻዋዕታ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ልክዕ ከምቶም ኣብ መበል 13 ዘመን ዝነበሩ ነቲ ኣምላኽ ንዕኦም ዘለዎ መደብ ንምፍላጥ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኪሰግሩ ኸም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፥ "መሰረትኩምን ብምሉኡ መንበረ ጥበብ ራሞን ሉልን ናይቲ ብጹዕ ስም ናቱ ብምግባር ነዚ ዘሐጕስ መብጽዓ እዚ እዩ ዝውፈይ . . . ብተወሳኺ እውን ማሕበር ብላንከርና ነታ ስድራቤት ነቲ ናይ መጀመርታ ሞያኣ ኣብ ሕብረተሰብ እንደገና ንኽትረኽቦ ንምሕጋዝ ንመንእሰያት እተፈላለየ መገድታት ህይወት ንምሃብ ብድሆታት ንምስጋር ከምኡውን መገዲ ክርስትያናዊ ጅግንነት "ብሞያ ዘይኰነስ ነቲ ጸዋዕታ ምላሽ ዝህብ" ምዃኑ ንማሕበረሰብ ዘረድእን ኣብዚ መዳይ ንምህናጽ ከም ዝዓዪ ገሊጾም፡ መምሃራን መናርብቲ ጥበብ ተመሃሮ ሸቶታቶም ኪወቕዑ ኸለዉ እውን ከይተረፈ "ምስ ጐይታ ኺራኸቡን ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ንምግልጋል ገዛእ ርእሶም ክውፍዩን" ከም ዘለዎም ንኺግንዘቡ ዝሕግዝዎም ክኾኑ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍጡ።

ኣብ ክውንነት እተመርኮሰ ትምህርቲ

ቅዱስ ኣቦና ንማሕበር ብላንከርና "ኣብ ህሉው ኵነታት ተመርኲሱ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዘመናውን ቅልጡፍን ኣመሃህራ ዝመልኦ ቋንቋ ብምጥቃም ክምህር ተማሕጾኖም፡ ኣስዕብ ኣቢሎም ይኹን እምበር ትምህርቲ "ኵሉ ሳዕ ምሉእ ሰብ ከም እንምስርት ደኣ እምበር ዘይከኣል ዘደናግሩ ሓሳባት ዝደግም ክኸውን ከም ዘይብሉ” ኣይንረስዕ፡ ዕላማ ትምህርቲ "ነጋዶት ምዃኖም እናፈለጡ ኣብቲ ኣምላኽ ዚጽውዖ ኣገልግሎት ንገዛእ ርእሶም ብዝበለጸ መገዲ ኺህቡ ዚጽዕሩ ቅዱሳት ሰባት ንምቛም እዩ፣ ከም ሓቂ ግና ኵሉ ነገር ካብዚ ሓቂ እዚ ዚበልጽ ሸቶ ማለት ምስ ፍቑራትና እንራኸበሉ መገዲ እዩ፣ ከመይሲ እታ ንቕድሚት ንኽንስጕም ብርታዐ እትህበና ፍቕሪ ኣብ ልብና ተነቢራ እያ።"

ኣብ ትምህርቲ ህላወ ኢየሱስ ምብራህ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ "ንህይወት ተማሃሮ ብህላወ ኢየሱስ ዘብርሁ" ክኾኑ ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ “እዚ ርግጸይናነት እዚ፡ ከም ኣዕሩኽ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ንኻልኦት ህዝብን ዘለዎም ክብረት፡ ነዛ ካብ ሓቀይና ሕመረታ ርሒቓ ዘላ ዓለም ዝሽፍን ጸልማት ክብትኑ ከም ዝኽእሉ ይግብሮም” እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

03 May 2024, 17:15