ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ንኢንዱስትሪ ኣጽዋር ኮኒኖም፡ ካብ ሞት መኽሰብ ምርካብ ዘስካሕክሕ ተግባር እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ንኢንዱስትሪ ኣጽዋር ኮኒኖም፡ ካብ ሞት መኽሰብ ምርካብ ዘስካሕክሕ ተግባር እዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፥ ንኢንዱስትሪ ኣጽዋር ኮኒኖም፡ ካብ ሞት መኽሰብ ምርካብ ዘስካሕክሕ ተግባር እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብ ዩክሬን፣ ፍልስጤም፣ እስራኤልን ሚያንማርን ንዝርከቡ ግዳያት ኲናት ይጽልዩ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ እቲ ዝያዳ መኽሰብ ዘለዎ ወፍሪ ምስ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ዝተኣሳሰሩ ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይዚ ወርሓ ማርያምን ከምኡ እውን ዕለት 1 ግንቦት ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ኣብ እተብዕለሉ ዕለት፡ ቅዱሰንቶም ሓሳቦም ናብ ግዳያት ኲናት ኣቕኒዖም። ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝለገስዎ ሓፍሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ፥ "ንሰላምን ግዳያት ኲናት ዝኾኑ ህዝብታትን ክጽለ” ተማሕጺኖም ምንቲ እቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ምጻላይ ኣይንረስዕ እንክብሉን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ

"ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ፡ ኩሉ ግዜ" እንክብሉ ደጊሞም ድሕሪ ምርግጋጽ ብፍላይ ንዩክሬን ምእንቲ ኩሎም ኣብ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝነብሩ ክንጽሊ ሓቲቶም። ሓሳቦም ናብቶም ኣብ ሚያንማር ዝርከቡ ስደተይናታት ሮሂንጋውያን ኣቕኒዖም፥

"ሰላም ንሕተት፡ ንሮሂንጋውያን ህዝብታትን ንመላእ ዓለምን ሓቀይና ሰላም ንለምን"

ምስ በሉ ኣጽዋር ዘምርታ ኢንዳስትሪታትን እናሓሰቡ ካብ ሞት ረብሓታት ምርካብ "ዘስካሕክሕ ተግባር ምዃኑ ደጊሞም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

02 May 2024, 09:09