ድለ

2024.04.24 Udienza Generale 2° Parte 2024.04.24 Udienza Generale 2° Parte  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፦ “ፍቕሪ ኣባና ዘሎ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ እዩ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መለኮታዊ ሓይሊ "ፍቕሪ" እንከስተንትኑ፣ “ካብ ኣምላኽ ከም ዚመጽእን ናብ ኣምላኽ ከም ዘምርሕን፣ ንኣምላኽ ንኸነፍቅሮ ኸም ዜኽእለናን፣ ንብጻይና ኸምቲ ኣምላኽ ጌሩ ዜፍቅሮም ከነፍቅሮ ውን የኽእለና፣” ክብሉ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ዝገልጽ ተኸታታሊ ኣስተምህሮኦም ብምቕጻል ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ብዛዕባ መለኮታዊ ሓይሊ ፍቕርን ልግስትን ኣስተምሃሩ ።

ኣስተምህሮኦም ድማ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝተወስደ ጥቕሲ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ሓዋርያም ጳውሎስ መበገሲ ብምግባር ኢዮም ዝጀመርዎ፦ "እምበኣር እምነትን ተስፋን ፍቕርን እዚኣተን ሰለስቲአን ኣለዋ። ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።" (1ቆሮ 13፡13)

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን እውን ከይተረፈ ምክፍፋልን ባእሳን ዝነበሮም ክርስትያናት ምእመናን ሰብ ቈረንጦስ ዘቕረበሎም መንፈሳዊ ምኽሪ ምዃኑ ኣመልከቱ።

ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም "መን ይፈልጥ ምናልባት እውን ካብ መንጐ ምእመናን ሰብ ቈሮንጦስ ሓጢኣት ከም ዝፈጸሙ ዀይኑ እተሰምዖ ኣይነበረን ይኸውን" በሉ። ከምኡ እንተ ደአ ዀይኑ ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዘቕርበሎም ዘሎ ኩነኔ ናይቲ ዘጋጠሞም ዘሎ ኩነታት "ንምርዳኡ ዜጸግሞም" ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኮነን ።

ንገዛእ ርእሶም ሕያዎትን ፈቃራትን ከም ዝዀኑ ገይሮም ይሓስቡ እኳ እንተ ነበሩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ግን ብዛዕባ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝርከብ ሓቀይና ፍቕሪ ብድሆ ዝኾኖም ሓሳብ ኢዩ ዘቕረበሎም ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቈሮንጦስ — ከምቲ ሎሚ እውን ኣብ መንጎና ዘሎ — ምድንጋራት ምህላዉን ኣሰር ናይቲ ኻብ ኣምላኽ ጥራይ ናባና ዝመጽእ መለኮታዊ ሓይሊ ዘይብልና ምዃና ከም ዘተሓሳስቦም ኣመልከቱ ።

'ዓቢይ ፍቕሪ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ክርስትያን ምእመናን ልክዕ ከም ኵሎም ሰባት "ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ ዓይነት ፍቕሪ " ማለት ጾታዊ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ብጻይ፡ ፍቕሪ ሃገር፡  ፍቕሪ ደቂ ሰባት ዘለዎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

"ግናኸ እታ ኻብ ኣምላኽ እትመጽእን፣ ናብ ኣምላኽ እተምርሕን፣ ንኣምላኽ ንኸነፍቅሮ እተኽእለናን ዓባይ ፍቕሪ ኣላ ። [እዛ ፍቕሪ እዚአ]... ንብጻይና ኸምቲ ኣምላኽ ዘፍቅሮ ምፍቃር ድማ ኢያ።" በሉ።

እዚ ኸኣ ንፈተውትናን ንቤተሰብናን ንኸነፍቅር ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ንኸነፍቅሮም ኣጸጋሚ ዝዀኑ ሰባት እውን ከይተረፈ ንኸነፍቅሮም ዘኽእለና መለኮታዊ ሓይሊ ኢዩ ።  ከመይሲ "ንሱ ካብ ኣምላኽ እዩ ዝርከብ፣ እቲ ኣባና ዝፍጸም ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ከአ እዩ" በሉ።

ንኽትለማመዶ ዘጸግም ውርዝና

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እምባ ዘስተምህሮ ስብከት ዓንቀጸ ብፁዓን  ብምዝካር ንፍቕሪ "ከም ለውሃት" ገይሩ ኢዩ ገሊጽዋ በሉ። ሓደ ሰብ "ኣብ ኣምላኽ ዘይነብር እንተ ደአ ዀይኑ" ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣጸጋሚ እዩ።

እንተዀነ ግን ካብቲ ንቡር ፍቕርን ርሕራሐን ልቢ ወዲ ሰብ ንላዕሊ - "ክርስትያናዊት ፍቕሪ ነቲ ዘይፍቀር ትሓቝፎ ይቕረታ ትህቦን፣ ነቶም ዝረግሙ ትባርኾም ኢያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣዝያ ሓያል ካብ ምዃና እተላዕለ ዳርጋ ዘይትከኣል ኢያ እትመስል፣ ኰይኑ ግና እዛ ፍቕሪ እዚኣ ጥራይ እያ ጸኒዓ ክትነብር እትኽእል።"

ኣብ መደምደምታ ኣስተምህሮኦም ቅዱስ ኣቦና፣ ኣብተን ናይ መወዳእታ ፍጻሜታት ህይወትና "ብልክዕ በዛ ኣማናዊት ፍቕሪ ደኣ እምበር ብሓፈሻዊ ፍቕሪ ኣይኮናን እንፍረድ" ብምባል ኣጠንቀቑ፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ቓላት ድማ ብምጥቃስ - "ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ከምቲ ንሓደ ኻብዞም ዝተሓቱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምሉ ንዓይ ኢኹም ገበርኩምለይ" እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

15 May 2024, 17:53