ድለ

ካፎድ ንሱዳን ህጹጽ ሓገዝ ክግበረላ ጻውዒት ኣቕሪቡ ካፎድ ንሱዳን ህጹጽ ሓገዝ ክግበረላ ጻውዒት ኣቕሪቡ  (AFP or licensors)

ካፎድ ንሱዳን ህጹጽ ሓገዝ ክግበረላ ጻውዒት ኣቕሪቡ

ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልን ዝተባርዐ ወግእ፡ ሱዳን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየትን ምዝንባልን ዘጋጥማ ሃገር ክትከውን ከም እትኽእል ዝተፈላለያ ትክላት ረድኤት የጠንቅቓ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት 12 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተለን ብውሕዱ 8 ሚልዮን ሰባት ድማ ከም ዘመዛበለን ክሕበር እንከሎ እቲ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ዝተባርዐ ግጭት፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ውሽጣዊ ቅልውላው ስደትን፡ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታትን ዘጋጠማ ሃገር ክትከውን ይገብር ከም ዘሎን፡ ኣዚ ንዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ህውከት ዝድርኽ ዘሎ ኲናት ምስ ገበናት ውግእ ዝተሓሓዝን ንኣህጉራዊ ሕጊ ዘይምግዳስን ዝምልከት እውን ምዃኑ ይንገር።

ምስ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪስታ ዝጽዋኦ ትካል ረድኤት ጨንፈር ካሪታስ ሱዳን ዝሻረኽ CAFOD እተሰምየ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ረድኤት ትካል፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ህያው ዝኽሪ ዝኸፍአ ከይከውን ንምፍታንን ደው ንምባልን ​​ህጹጽ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ወኪል ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ረድኤት ትካል ኣብ ሱዳን ተሌይ ሳድያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ሱዳን ንሰላማውያን ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ዘሕዝን ክውንነት ብምግላጽ፡ ህጹጽ ኣድላይነት ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ረድኤትን ኣጒሊሑ፥ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ሱዳን ብግጭት ዓንያን ገና እውን ትዓውን ከም ዘላን፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ካብ መንበሪኦምን መበቆል ሃገሮምን ክመዛበሉ ከምዝገበረ ሳድያ ገሊጹ። ኣብ ቅሉዕ ቦታ ድዩ ኣብ ዝዓነዉ ህንጻታትን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ግዚያዊ መዕቆቢታት ከም ኣቢያት ትምህርቲ ኣብ ዝኣመሰሉ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ ዝኾኑ ቦታታት ዑቕባ ከም ዝረኸቡን፥ “ገለ ካብኣቶም ብፍላይ ድማ ህጻናት ከም ሕማም ሽሮኽ ንዝኣመሰሉ ዝተፈላዩ ተላባዒ ሕማማት ተቓሊዖም ይርክቡ ይብል።

ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ይሰፍሕ ከም ዘሎን ነቲ ድሮ ኣስታት 8 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ዝተገደዱሉ ዘሰክፍ ኩነታት ካልእ ስንባደን ተስፋ ምቑራጽን ወሲኹ፡ ካብዚኦም “6.5 ሚልዮን ኣብ መላእ 18 ግዝኣታት ሱዳን ዝተመዛብሉ ከም ዝኾኑን፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዶብ ሱዳን ወጻኢ ዝተሰዱ ምዃኖም ይሕብር።

ኣህጉራዊ ዘይምግዳስ

ሳድያ እዚ ቅልውላው ኣብ ሞንጎ ርኡይ ዘይምግዳስ ማሕበረሰብ ዓለም ዝግንፍል ዘሎ ምዃኑ ኣስተብሂሉ፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሱዳን “ዝተረሰዐ ቅልውላው” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን። ኣብ ሱዳን ዘጋጥም ዘሎ ምዝንባል ኣብ ታሪኽ ካብ ዝዓበዩ ምዝንባላት ከይከውን እንክብል ውድብ ሕቡራት ሃገርት ኣጠንቂቑ ቀጻሊ ኣቓልቦን ደገፍን ንምርካብ ይቃለስ ከምዘሎ ዝሓበረ ሳድያ ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዘለዎ ንኣጽንዖት ኣዘኻኺሩ፡ “ነዚ ናይ ሱዳን ኩነታት ነዊሕ እዋን ንምፍታሕ ዘይምስራሕ ነቲ ቅልውላው ንምዕማቕን ስቓይ ሚልዮናት ንምንዋሕን ጥራይ እዩ ዘገልግል” ይብል።

“ኣነ ደንጉዩ ወይ ኣይደንጉየን ኣይምበልኩን ምኽንያቱ ዝኾነ ተበግሶ [ብወገን ማሕበረሰብ ዓለም] ኣብ ዝኾነ እዋን ብሓቂ ቅቡል እዩ። እቲ ዝግብኦ ኣቓልቦ ንምሃብ ግን ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ዝወሰድ ዘሎ ይመስለኒ - ቢሉ - እቲ ኩነታት ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ፈጺሙ ክፍቀድ ኣይነበሮን” እንክብል ይገልጽ።

ንግድ ኣጽዋርን ስስዐ ስልጣንን

ሓደ ካብቲ ነቲ ቅልውላው ክቕጽልን ዝገብሮ ዘሎ መሰረታዊ ረቛሒታት፡ እቲ ዓመጽን ዘይምርግጋእን ዘጽንዕ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ማለያ ዘይብሉ መኽሰብ ዝርከቦ ኣዕናዊ ንግድ ኣጽዋር ምዃኑ ገሊጹ፥

ይኹን’ምበር ኣብ ሕመረት ግጭት ሱዳን ብቐንዱ ብስስዐን ህርፋን ንስልጣንን፣ ንጽቡቕ ሂወት ሱዳናውያን ሸለል ክበሃል ዝድርኹ ውልቃዊ ረብሓታት ከምዘሎ ድማ የመላኽት።

ኣድላይነት ምቁራጽ ተኹሲ

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መራሒ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣናት ተራኺቡ ብዛዕባ ዘተ ሰላምን ኣብዚ ጉዳይ ክህሉ ዝኽእል ምትእትታው ዞባዊ ሓይልታትን ኣመልኪቱ ሳዲያ ይብሉ ኩሉ “ዳርጋ ዝሞተ እዩ” ዝመስል ቢሉ፥ እቲ ብጀነራል ሓመድቲ ዝተወስደ ተበግሶ ብጭቡጥ ኣንጻር ኣፍራይነት ከምዝነበረን፡ መንግስቲ ሱዳን ካብቲ 8 ሃገራት ዝሓቊፍ ብኢጋድ ዝፍለጥ ኣፍሪቃዊ ቍጠባዊ ቀጽሪ ክትወጽእ ዝለ ስለዝደረኸ” ኣንክብል የብርህ።

እቲ ዘገድስ ኣብ ርእሲ ንዋታዊ ሓገዝ፡ ሰባት ዕለታዊ ህይወቶም ክነብሩ ዘኽእሎም ተኹሲ ደው ምባል ጥራሕ እዩ ኣብዚ ውሳኔ እዚ ክብጻሕ ኣለዎ። ተጻብኦታት ደው ከምዝብል እዩ ዘለዎ፡ ”ወግዓዊ ዘተ ሰላም ብዙሕ ግዜ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተ ዘይመስለ ብድሕሪ ወግዓውያን መደባት ይቕጽል ብምህላዉ ንእሽቶ ተስፋ ዘሎ ይመስል ይብል።

ጻውዒት

ሰባት ኣብ ቀረባ ናብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ክምለሱ ተስፋ ንገብር፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፡ መሰረታዊ ኣድለይቲ ነገራት ኣዝዮም የድልዮም ኣሎ ስለ’ዚ ድማ እዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ረድኤት ትካል - ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ መሻርኽቱ ኮይኑ ነዚ ህጹጽ ጻውዒት ዘበገሰ፡ ንዝተመዛበሉ ሰባት ናይ መግቢ፡ ጥዕናን ናይ ገንዘብ ሓገዝን ንምሃብ ንኽኽእሉ ወፈያታት ክግበር ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሱዳን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥማ ኣሎ። እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ’ዚ ኣዝዮም ውሑድ ሰባት ጥራሕ ከም ዝፈልጥዎ ዝቐርቡ መጽናዕትታት ዘርእዮ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ረድኤት ትካልን መሻርኽቱን ዘቕርብዎ ዘሎ ጻውዒት ንቕሓት ማሕበርሰብ ዓለም ንምዕባይን ስጉምቲ ንምውሳድን ዝሕግዝ መንገዲ’ውን ምዃኑ ገሊጹ፡ ሕጂ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህይወት ኣብ ድነ ጥፍኣቱ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነፍሲ ወከፍ ተግባር ልግሲ ነቶም ዘይሕሰብ ጸገማት ዘጋጥሞም ተስፋ የምጽኣሎም። ካፎድ ናይ ሓገዝ ምሕጽንታ ንኹሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዘድልዮ ሰዓት ምስ ህዝቢ ሱዳን ብሓባር ደው ክብሉ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት እዩ።

03 May 2024, 17:18