ድለ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ሓደ ካህን ኣባል ቅንዋተ ክርስቶስ ተቐቲሉ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ሓደ ካህን ኣባል ቅንዋተ ክርስቶስ ተቐቲሉ 

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ሓደ ካህን ኣባል ቅንዋተ ክርስቶስ ተቐቲሉ

መበቈሎም ኻብ ሎሶቶ ዝዀነ ወዲ 45 ዓመት ካህን ኣባ ፖል ታቱ ምናልባት ኣብ ልዕሊ ሓቲ ጓል ኣንስተይቲ ቅትለት ክፍጸም ስለ ዝረኣዩ ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኖም ድማ ከይርከቡ ኣብ ሓንቲ ማኪና ክድይቡ ተገዲዶምን ስዒቡ እውን ከም እተቐትሉ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣቡነ ሲፑካ: መቕተልቲ ኣባ ታቱ ነቲ ኣብታ ሃገር እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታን ውሕስነትን ግብረ ገብን ዘሕዝን ኣብነት እዩ እንክብሉ መገልጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ፖል ታቱ ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅንዋተ ክርስቶስ ዕለት 27 ሚያዝያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ከም ተቐትሉን እዚ መግለጺ እዚ ድማ ዕለት 30 ሚያዝያ ናይቲ ቅንዋተ ክርሶስ ማሕበር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዝርከብ ጨንፈር ሓለቓ ኣብታ ሃገር ንሰላሳ ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉ  ወዲ 76 ዓመት ኣባ ጃኒ ፒኪልቦኒ ከም ዘፍልፈጡን። ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ተሓታትን ኣብ ከመይ ኩነታት ከም እተቐትሉን ገና ዝጻረ ጉዳይ እዩ ዝኸውን ከም ዝበሉ ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ዝሓቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣባ ፖል ታቱ ብኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ ሓቲ ጓለንስተይት ቕትለት ክፍጽም እንከሎ ስለ ዝረኣዩን እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ጋለንስተይቲ ቅትለት ዝፈጸመ ገበነይና ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኖም ከይቐርቡ ብዝብል ምኽንያት ከም ዝቐትሎም ግምት ከም ዘሎን ሓቢሮም ይብል።

ጽንዓት ብፁዓን ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣባ ፖል ታቱ ወዲ 45 ዓመትን መበቆሎም ካብ ሌሶቶ ከም ዝኾነን ንሓያሎ ዓመታት ሓላፊ መራኸቢ ብዙሓን ኮይኖም "ብተወፋይነት" ናይ ዘገልገልሉ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ንማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅንዋተ ክርስቶስን ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ኣባ ታቱ ናይ ጽንዓት ይሃብኩምን ቅርበትን ጸሎትን ዘረጋግጽ መልኽቲ ከም እተመሓላለፈን ናይታ ሃገር ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኡምታታ ጳጳስ ሲተምበለ ሲፑካ ቅትለት ኣባ ታቱ "ዝተነጸለ ፍጻመ ዘይኮነስ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል ጸጥታን ውሕስነትን ግብረ ገብን ዘሕዝን ኣብነት እዩ” እንክብሉ መግለጺ ከም ዝሃቡ ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 May 2024, 09:21