ድለ

ኤርትራ፥ ዓውደ- ዘተ ንምስንዳው ጒዕዞ ስሩዕ ሲኖዶስ ጳጳሳት 2024 ዓ.ም. ኤርትራ፥ ዓውደ- ዘተ ንምስንዳው ጒዕዞ ስሩዕ ሲኖዶስ ጳጳሳት 2024 ዓ.ም. 

ኤርትራ፥ ዓውደ- ዘተ ንምስንዳው ጒዕዞ ስሩዕ ሲኖዶስ ጳጳሳት 2024 ዓ.ም.

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብሓባር ንእትጐዓዝ (ሲኖዶሳዊት) ቤተክርስትያን ህብረት፡ ተሳትፎ፡ ተልእኾ” ብዝብል መሪሕ-ሓሳብ ኪካየድ ዝኣወጅዎ፣ ካብ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ጐስጓስን ዘተን መጽናዕትን፣ እቲ ቀንዱ ፍጻሜ ቀዳማይ ምዕራፍ ሲኖዶስ ድማ፣ ካብ 30 መስከረም ብዝጀመረ ሱባኤ፣ ካብ 7 ክሳዕ 29 ጥቅምቲ ብዘተን ኣስተንትኖን ኣብ ሮማ ተኻይደ።

ግርማይ ኣስፍሃ - ኤርትራ

ኣብዚ ሲኖዶስ እዚ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ሰብውፉይ ሕይወት፡ ምእመናን ሓቢሮም ጸልዮምን ዘትዮምን፣ ጽማሬ ዘተኦም ከኣ ብመልክዕ ጸብጻብ ናብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ። ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኤርትራ ወኪሎም ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተሳተፉ ሊቀ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣስመራ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ድማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ታሕሳስን ጥርን፣ ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣስመራን ኣብ ሰለስቲአን ኤጳርቅናታትን ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ሰሕፊ መግለጺ ከምዝሃቡ እውን ይፍለጥ።

እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ሲኖዶስ ድማ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ክካየድ እዩ። ነቲ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ ሲኖዶስ ጳጳሳት ጽሙር ጸብጻብ መሰረት ዝገበረ፣ ካብኡ ንዝወጸ መዛተዪ ነጥብታት ሓሳብን ትዕዝብትን ንምሃብ፣ ብሃገራዊ ተጸዋዒ ንምስንዳው ሲኖዶስ ጳጳሳት ስለዝተሓተተ፣ ካብ መላእ ርእሰ ኤጳርቅና ኣስመራ ዜመጹ ቆሞሳት፡ ተጸዋዕቲ ሲኖዶስ፡ ወከልቲ ሰብውፉይ ሕይወት፡ ኣብያተ ምኽሪ ምእመናን፡ መንእሰያት፡ መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስ፡ መንፈሳውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ መማህራን ትምህርተ መለኮትን ተቕዋማትን ዝርከብዎም 85 ሰባት ዝተሳተፍዎ፣ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዓውደ - ዘተ ዕለት 20 ሚያዜያ 2024 ዓ.ም ኣብ ዓቢይ ኣዲራሽ ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ ምሕረት ኣስመራ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ መደብ፡ ተጸዋዒ ሲኖዶስ ርእሰ ኤጳርቅና ኣስመራ ኣባ ቶማስ ነጋሽ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምጅማር እዚ ጉዕዝ ሲኖዶስ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብ’ዚ ናይ ሳልሳይ ሺሕ ዓመት ቤተክርስትያን ዝጽበዮ፣ እዚ ናይ ሓባር ጒዕዝ (ሲኖዶስ) መንገዲ እዩ” ዝበልዎ ቃል ኣዘኻኺሮም፣ ኣብዚ ዝሓለፈ እዋን ንሲኖዶስ ዝርኢ ብዙሕ ስርሓት ከም ተኻየደን፣ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ተፈጺሙስ ናብቲ ካልኣይ ምዕራን ንኸይድ ኣሎና። እሞኸ ጒዕዝ ሲኖዶስ ክንነብሮ ጀሚርና ዶ? እዚ ሲኖዶስ እዚ ምሕዳስ ከምጽእ ኣለዎ፣ ምሕዳስ ከኣ ካብ ውልቃዊ ምሕዳስ እዩ ዝብገስ። ካብታ ቤተክርስትያን ዘቤት ዝተሰምየት ስድራ ጀሚሩ ብቁምስና ኮነ ብርእሰ ኤጳቅና እናዓበየ ኪኸይድ ይግባእ። ኣሰር ከኣ ኪገድፍ ኣሎዎ። እዞም ሎሚ ንቊምስናታትን ገዳማትን ማሕበራትን ተወኪልና መጺእና ዘሎና፣ ኣብ ጉስነት ቊምስና መሪሕ ተራ ዘሎና ሰባት ስለዜኾና፣ እዚ ሲኖዶስ እዚ ሲኖዶሳውነት ክንነብሮ ኪሕግዘና ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ይግባእ ኢሎም።

ኣስዒቦም ሃገራዊ ተጸዋዒ ሲኖዶስ ኣባ ማስያስ ኣርኣያ “ከመይ ቢልና ኢና ብዝያዲ ኣብ ተልእኾ ዝተጸምደት ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን እንኸውን” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ናይቲ 20 ምዕራፍን ሰለስተ ክፋልን ዘለዎ፣ ናይ መበል 16 ስሩዕ  ሲኖዶስ ጳጳሳት ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሙር ጸብጻብን፣ ሕጂ ካባና ዝሕተት ዘሎን ስራሕን ዘርኢ መግለጺ (ኣስተምህሮ) ሂቦም። ኣባ ማስያስ ነቲ ዝተሓለፈ መስርሕ ሲኖዶስን ተሪፉ ዘሎ ዕማምን ተጋባእቲ ቀዳማይ ምዕራ ሲኖዶስ ኣብ ነፍስወከፍ ምዕራፍ ናይቲ ጸብጻብ ዝተሰማምዕሉ፣ መጽናዕቲ ዘድልዮ፣ ከምኡ’ውን እማመታት ሰሪዖም ቀሪቦምልና ኣለዉ። እዚ ከኣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርዓትን ታሪኽን ቤተክርስትያን፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ኣብ ህሉዉ ኩነታትን ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናይ 2021-2024 ዓ.ም. ናይ ሲኖዶስ መግለጺታትን ዝተሞርኮሰ እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞም ዝብልዎ ዘሎዉ፣ ሲኖዶስ ብዛዕባ ብሓባር ምጒዓዝ (ሲኖዶሳውነት)፡ ብሓባር ዘተን ኣስተንትኖን መመያን መርመራ ሕሊናን ምግባር ደኣ እምበር፣ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ወይ ብዚዕባ እቲ ኣርእስቲ እቲ ኣይኮነን። እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ከኣ ተሳተፍቲ “እቲ ብጽሞናን ብጸሎትን፡ ብምስማዕን ብምብህሃልን ዜተኻየደ ሲኖዶስ ኣሕዋትን ኣሓትን ብክርስቶስ ምዃና፣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተሰረተ ብታሕጓስ ግን ከኣ እንሓንሳእ ዘቐንዙ ርክባት ዝነበሮ፣ መንነትና ከም ኣመንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ነፍስወከፍና ብጥምቀት ዝሰረጸ ክብሪ ዝለበሰና፣ ነፍስወከፍና ከኣ በቲ ዝተዋህበና ህያባት፣ ብዝተፈላለየ ጸዋዕታ ነቲ ናይ ስብከተወንጌል ሓበራዊ ተልእኾ ከነካይድ ከምዝተጸዋዕና ዓሚቚ ርድኢት ክህልወና ክኢሉ፣ እዚ ከኣ ኣብ ኰላትና ኪቅጽል ዘለዎ እዩ” ቢሎም ክምስክሩ ኣኽኢልዎም። ኣባ ማስያስ መግለጺኦም ብምቅጻል፣ ብቅድስቲ ስላሴ ዝተኣከብናን ዝተለኣኽናን፣ ኣብ ልዕሌና ጸጋ ምእማን፣ ብመንፈስ ቅዱስ ምብህሃል፣ ክፉትነትን ምሕዝነትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ከባብያዊት ቤተክርስትያን ዝካየድ ሲኖዶሳዊ ሕይወት ንዝብሉ ንኡሳን ኣርእስትታት ናይቲ ሰነድ ዝኣክል መግለጺ ብምሃብ ኣስተምህሮኦም ዛዚሞም። ቀጺሉ ብመሠረት መርሓ - ግብር ናይቲ ዕለት፡ እቶም ኣቐዱሙ ንዝተዋህቦም መወክስን መጋበርን ጽሑፋት ኣንቢቦም፣ ንዝወሃብ ሓሳብን መምርሕን ብዝግባእ ተረዱኦም፣ ኣበርክቶኦም ክህቡ ዝመጽኡ 85 ተሳተፍቲ፣ ኣብ ትሽዓተ ጉጅለታት ዘተ ተወዳዲቦም፣ ብዚዕባ እቲ ንቤተክርስትያን ሃገርና የገድስ እዩ ተባሂሉ ዝተመርጸ ናይቲ ሰነድ አርእስትታት ዘትዮም። እቲ ሕቶታት ናይቲ ዘተ ካብተን ብቤተክርስቲያን ሃገርና ዝተመርጻ፣ ሲኖዶሳውነት፡ ተመክሮን ርድኢትን፡ ድኻታት እቶም ኣብ ጒዕዝ ቤተክርስትያን ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣካላት፡ ቤተክርስትያን ልእኽቲ እያ፡ ንመጓሰ ጽን ኢላ ናብ እትስምዕን እተሰንን ቤተክርስትያን ገጽና፣ ተልእኾ ስብከተወንጌል ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዓለም ካብ ዝብል ምዕራፋት ዝተዋጽአ እዩ። እቶም ንካህናት፡ ደናግል፡ ምእመናን ብዝውክል ኣገባብ ዝቆሙ ትሽዓተ ጉጅለ ናይቲ ዘካይድዎ ዓሚቚ ዘተ ጸብጻብ ብጽሑፍ ምስ ኣቕረቡ፣ እቲ ዓውደ-ዘተ ብናይ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሓፈሻዊ ለበዋታትን ቃል ምስጋናን ተዚዙሙ። ነዙ ዝተኣከበ ሓሳባት ከኣ ርእሰ ኤጳርቅናዊ ሽማግለ ንጒዕዞ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ኣብ ቐረባ መዓልታት ጠርኒፉን ኣጻፊፉን ናብ ሃገራዊ ተጸዋዒ ሽማግለ ምስንዳው ሲኖዶስ ከቕርቦ እዩ። ተጸዋዒ ሃገራዊ ሽማግለ ንምስንድው ሲኖዶስ ኸኣ፣ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም ዝካየድ 2ይ ምዕራፍ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣበርክቶ ቤተክርስትያን ሃገርና ጠርኒፉ ከቕርብ እዩ።

30 April 2024, 17:22