ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብውሕጅ ንዝተሃስየት ኣፍጋኒስታን ሓገዝ ከቕርብ ይጽውዑ ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብውሕጅ ንዝተሃስየት ኣፍጋኒስታን ሓገዝ ከቕርብ ይጽውዑ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብውሕጅ ንዝተሃስየት ኣፍጋኒስታን ሓገዝ ከቕርብ ይጽውዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ግንቦት ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ሰላምታ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነታ ብኸቢድ ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ዝተሃስየት ኣፍጋኒስታን ሓገዝን ደገፍን ክገብር ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ምእመናን እውን ንሰላም ክጽልዩ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቓልቦኦም ናብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ኣቕኒዖም “በቲ ሕጻናት ሓዊሱ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐተለ ብርቱዕ ውሕጅ ኣዝዩ ዝተሃስየን፤ ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣባይቲ ገና የዕንው ኣሎ” ብምባል ማሕበረሰብ ዓለም ንህዝቢ ኣፍጋኒስታ ሓገዝ ክቕርብ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቶም ግዳያት ብፍላይ ድማ ንህጻናትን ስድራቤቶምን ከም ዝጽልዩ ኣረጋጊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ 18 ንኡሳን ዞባታት ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ኣስታት 300 ሰባት ከም ዝሞቱን ብመሰረት ጸብጻብ መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት፡ ካልኦት ኣማኢት ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዙሓት ሰባት ኣብ ጭቃ ተቐቢሮም ከም ዝተረፉ ክፍለጥ እንከሎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ማሕበረሰብ ዓለም ብቕልጡፍ ዘድሊ ሓገዝን ደገፍን ብምቕራብ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ክከናኸን ጻውዒት አቕርብ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

በቲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅን ዝበዝሐ መጉዳእቲ ኣብ ግዝኣት ባግላን ዝተራእየ ኮይኑ፡ በቲ ብርቱዕ ዝናምን ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይን ኣስታት 3 ሽሕ ዝግመት ኣባይቲ ከምዘዕነወ፡ ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዘብረሰን ማእለያ ዘይብሉ ጥሪት ከም ዘጥፈአን፡ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን ከምዝሃሰየን ኣብ ዞባ ታካርን ባዳክሻንን እውን ብውሑዱ 300 ኣባይቲ ከም ዘዕነወን ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዋሊ ንናይ ህጻናት ጉዳይ ማሕበር ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንሰላም ንጸሊ

ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብርዎ ድማ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ምእመናን ምንቲ ሰላም ኣብ ዝገብርዎ ጸሎት ክቅጽሉ ብምዝኽኻር፥ “ነታ ትሳቐ ዘላ ዩክሬን፤ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ሚያንማር ኣይንረስዓየን። ንሰላም ንጸሊ፡ ስለ ኩሎም ብኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ንጸሊ። ኩላትና ብሓባር፡ ካብ ልቢ፡ ውግእ ከይህሉ ሰላም ክረጋገጽ ንጸሊ፡ ምኽንያቱ ኩናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ: ኩሉ ግዜ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 May 2024, 15:34