ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኹሉ ክንሓቁፍን ንምእንጋድንም ዝተጸዋዕና ኢና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከል እቲ ኣደባባይ ቅዱስ ማርቆስ ቨነዚያ ዕለት 28 ሚያዝያ ሰንበት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ንሓባራዊ ቤትና ንኽንከናኸንን ንምርኻብን ንሓቛፍነትን ዝተጸዋዕና ኢና እንክብሉ ብምዝኽኻር እዚ ጸዋዕታ እዚ ዘለዎ ጽባቔ ንኹሉ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ማርቆስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ኣስታት 10.500 ምእመናን፥ “ቨነዚያ ካብቶም ኣዚዮም ዝተሓቱ ጀሚራ ንኹሉ ዝቐርብ ምልክት ጽባቐ ክትከውን ዝተጸወዐት እያ፣ ምልክት ሕውነትን ሓልዮትን ናይ ሓባር ቤትናን እያ” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ብፍቕሪ ክርስቶስ ስሙራት” ዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ናይ ቨነዚያ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓውጾተ ኖልዎ መርሕ ቓል ብምዝካር “ብክርስቶስ ስሙራት ብምዃን ጥራሕ ኢና ፍረ ወንጌል ናብቲ እንነብረሉ ክውንነት ከነእትዎ እንኽእል፡ ፍረ ፍትሕን ሰላምን፡ ፍረ ምትሕግጋዝን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን፤ ንከባብያውን ሰብኣውን ውርሻታትና ንምዕቃብ ብጥንቃቐ ምርጫታት ክንገብርን።”

“ክርስትያን ማሕበረሰብና፡ ከባቢናን ከተማታትናን ዘየግልል ተቐበልቲ ኣጋይሽ፡ ንኹሉ ሓንጎፋይ ዝብልን ዝሓቁፉን ተቐበልቲ ኣጋይሽን ክኾኑ ይግባእ!

ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ዕለቱ (ሰንበት ዕለት 28 ሚያዝያ) ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 15, 1 – 8 ዝተወስደ ምንባብ መሰረት ገይሮም ነቲ ምስሊ ኢየሱስ ከም ጉንዲ ወይኒ ኣመንቲ ድማ ከም ጨናፍሩ ዝብል ጠቒሶም

“ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። [ . . . ] እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።”  ብምባል ምእመናን ምስ ጎይታ ዘለዎም ርክብ ፈጺሞም ከይበትኩ ኣዘኻኺሮም፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ጽቡቕ ፍረ ንምፍራይ ትግሃትን ጥንቃቐ ዝሓትት: ብፍቕሪ ኣምላኽ ምስ እንምገብ ህይወትና እውን ትዕምብብ።”

ምስ ኢየሱስ ምዃን ሓራ የውጽኣና

ነቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ጉንዲ ወይንን ጨናፍሩን ዝብል ሓሳብ ኣካላውን ታሪኻውን መልክዓ ምድሪ ቨነዚያ ዘጠቓልል ምዃኑን ገሊጾም፥ "ነቲ ብዛዕባ እቲ ተኽሊ ወይንን ጨናፍርን ዝገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ኣይኰነን - ኣብ ኢየሱስ ምእማን ምስኡ ዘሎና ማእሰር ንናጽነትና ኣይኣስሮን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ነታ ሓጐስና እተብዝሕ . . . ሓመድ ህይወትና ኣብ ዝደርቀሉ እዋን እውን ከይተረፈ ብኣንጻሩ ነቲ ሓጎስና ዘብዝሕ፡ ከም ንፉዕ ሰራሕተይና ወይኒ ዝከናኸነናን ክጥጥዕ ዝገብርን ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንቅበል የርህወና።”

“ቨነዚያ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃዋህው እዚ ብዘይ ሓልዮትን ክንክንን፡ ህላወኡ እውን ከቋርጽ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ ሕይወትና እውን ንዘልኣለም ኣብ ፈልፋሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝተነብረት እያ . . . ኣብ ፍቕሩ እዩ ህላወና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዕቤት ብግብሪ

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ትርጉም ናይቲ ናይ ቨነዚያ ሓውጾተ ኖልዎ “ብፍቕሪ ክርስቶስ ስሙራት” ዝብል ጭርሖ ብምዝኽኻር፥ "ምስ ክርስቶስ ምሕባር ማለት ምስኡ ርክብ ምዕባይ፡ ምስኡ ምዝታይ፡ ቃሉ ምሕቛፍ፡ ኣብ መንገዲ እቲ... መንግስቲ ኣምላኽ ንዓዑ ምስዓብ” ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ንቀጻሊ ዕብየትን ጽምዶን ተግባርን ይጽውዓና። ኣብ ጐይታ ምንባር ማለት ትምህርትታቱ እንቕበለሉ ፍቕሩ እነንጸባርቐሉ ከምኡውን ኣብ ማሕበረሰብና ፍረ ፍትሕን ሰላምን ሓድነትን እነፍሪ ናይ ወደ መዝሙርነት ጕዕዞ ኢዩ።

ጽባቐ ቨነዝያ ድሕረ ባይታ ዝገበሩ ቅዱሰንቶም፥ ካብ ለውጢ ዅነታት ኣየርን ምዝባዕ ምህዳርን ከባብን ኣትሒዙ ክሳዕ ማሕበራዊ ምግምማዕን ባህላዊ ምዝባዕን ዝብሉ ዓለምናን ነታ ከተማን ዜጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው "ኣከባብያውን ሰብኣውን ውርሻና ንምዕቃብ ጥንቃቐ ዝመልኦ ምርጫታት" ክንገብር ዝጽውዕ እዩ፥

“ክርስትያን ማሕበረሰብና፡ ከባቢናን ከተማታትናን ዘየግልል ተቐበልቲ ኣጋይሽ፡ ንኹሉ ሓጎፋይ ዝብልን ዝሓቁፉን ክኾኑ ይግባእ! . . . እታ ወትሩ ናይ ርክብን ባህላዊ ምልውዋጥን ቦታ ዝነበረት ቨነዚያ፡ ካብቲ ትሑት ዝበሃል ጀሚራ፡ ምልክት ሕውነትን ሓልዮትን ናይ ሓባር ገዛና ክትከውን፡ ንኹሉ ዝቐርብ ጽባቐ ክትከውን ትጽዋዕ።”

ቢሎም ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 April 2024, 16:32