ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨነዚያ፡ ‘ስነ ጥበብ ንደቂ ሰባት መዕቆቢ ከተማ እዩ’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨነዚያ፡ ‘ስነ ጥበብ ንደቂ ሰባት መዕቆቢ ከተማ እዩ’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨነዚያ፡ ‘ስነ ጥበብ ንደቂ ሰባት መዕቆቢ ከተማ እዩ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨነዚያ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት መግደላዊት ምስ ሰነጥበባውያን ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንስነ ጥበባውያን ዝኾነ ሰብ ከም ጓና ዘይረኣየላ ንኹሉ እትሓቑፍ ዓለም ክሓስቡ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዓለም ስነጥበባውያን የድልይዋ” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝበሉ ነቶም ኣብ ቨነዚያ ኣብ ዝካየድ ክልተ ዓመታዊ መደብ ምርኢት ስነ ጥበብ ነቲ ንቕድስቲ መንበር ወኪሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ስነ ጥበባዊ ምርኢት ዘቕርብ ዘሎ ጉጅለ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም፥ ስነ ጥበባውያን ኪኖ ዶባት ዓለምና ክጥምቱ ዝኽእሉ ሓቀይናታት ራእይ ዘለዎም እያቶም እንክብሉ ንኢዶም፥

“ስለ ምዃናውነትኩም ስለ እትገብርዎን አመስግን”

ዝኾነ ይኹን ሰብ ጓና ኣይኮነን

"ኣብ ጥቓኹም ከም ጋሻ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ"፥ እዚ ስምዒት እዚ "ጥበብ ካብ ዝተሓተ ሕብረተሰብ ኣትሒዛ ንዅሉ ሰብ ኣፍልጦ ኽትህብን ከተዕቍብን ክትቅበልን እትኽእል ሓቋፊ ሰብኣውነት ንምፍጣርን ዓመጽን ኣድልዎን እትጥሕስ ንኹሉ እትሓቁፍ ከተማ እያ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ብሉይ ኪዳን ንገበነይናታት ክሳብ ጉዳዮም ናብ ፍርዲ ዝቐርብ ዑቕባን ኣደዳ ሕነ ምፍዳይ ክይኮኑ ሓለዋ ንምሃብ “መዕቆቢ ከተማታት” ከም ዝነበረ ይሕብረና እንክብሉ ብምዝኽኻር፡ ስነ-ጥበባውያን “ኣብ ካርታ ዘየለዋ ዝኾነ ሰብ ጓና ዘይኮነለን ከተማታት ኣብ ኣእምሮኦም ክስእሉ ዓዲሞም፡ “እቶም ዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ ልምድታት ኣብ ኩሉ ቦታታት ከም ሓደ ዓይነት መርበብ ከተማታት፡ መዕቆቢ ኮይኖም ክቖሙ እንተዝኽእሉ፡ ንዓለም ዓሌታውነትን፡ ጽልኢ ወጻእተኛታት፡ ዘይማዕርነት፡ ስነ-ምህዳራዊ ዘይምዕሩይነትን . . . ፍርሒ ንድኻታት ዘይብላ ናብ ምዃኑ ምደረኹ” ቢሎም፥ “ብድሕሪ እዚ ንጽጽር እዚ፡ ኩሉ ግዜ ናይቲ ካልእ ምእባይ” ከም ዘሎ ተዓዚቦም፡ ኣብ ክንዲ ከም ናይ ምትሕብባር ደሴታት ከም ብሕታዊ ደሴታት ክንሰርሕ ዝገብረና ርእሰ-ፍትወት፡ ኢጎነት ኣሎ” እንክብሉ ከም ዝስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስነ-ጥበብ ንኣስተንትኖ ይምህር

ኣብ ክልተ ዓመታዊ ምርኢት ስነ ጥበብ ቨነዚያ ነቲ “ብዓይነይ” ዝብል መርሕ ቓል ዝገበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ምርኢት እናሓሰቡ፥ እቲ መርሕ ቃል “ኩላትና ክንጥምትን ክንጥመት ናይ ምፍቃድ ብርታዐ ዘድልየና ምዃኑ ዘዘኻኽርን፡” ኢየሱስ ድማ ከምኡ ኽንገብር ይምህረና:- "ከመይ ገይሩ ኸም ዚቐርብን ከም ዜተባብዕን ንምፍቃር ደኣ እምበር ብዘይምፍራድ ንኹሎም ይጥምት ነይሩ።”

ስነ ጥበብ፡ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ከም ዝምህረና ተዓዚቦም። ስነ ጥበብ ነቲ ዝዕዘቦ ናብ ነገራውነት ንምቕያር ኣይኮነን፡ ዘይግደስ ወይ ደጋዊ ምርኣይን ኣይኮነን፣ ዓሚቑ ኣስተንትኖኣዊ ምጥማት ዝምህረና እዩ።”

“ስነጥበባውያን ኣካል ዓለም ግን ኪኖኡ ክኸዱ ዝተጸውዑ እዮም።”

ንፍሉይነት እንስት ዋጋ ምሃብ

ር.ሊ.ጳ. መደረኦም፡ እዋናዊ ስነ-ጥበብ እውን ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ንሰብኣውነት ዝገብርኦ ኣበርክቶ ኣኽቢርና ንኸነርእዮ ክሕግዘና ተስፋ እገብር፥ እንክብሉ፥ ከም በዓል ፍሪዳ ካሎ እናቴ ሜሪ ኮሪታ ከንት ከምኡውን ሉዊስ ቡርገስ ዝኣመሰላ ውሩያት ስነ-ጥበባውያን ብምጥቃስ - "ብፍሉይ መልክዕ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ሓድነት ዘምጽእ ሓጐስን ስቓይን ኣሎ ስለዚ ንዓና ዝምህረና ኣገዳሲ ነገር ስለ ዘለዎ ንፍሉይነት እንስትነት ጽን ክንብሎ ኣሎና ምስ በሉ፥ ነቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ኣመልኪቱ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ፡ “እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፡ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፡ እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም . . . (ማቴ 11፡7-8) እንክብል ዘቕረቦ ሕቶ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ስነ ጥበባውያን ኣብ ልቦም ክሕዙ ዓዲሞም፡ እቲ ኢየሱስ ዘቕረቦ ሕቶ “ናብ መጻኢ ዝድርኸና እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨነዚያ፡ ‘ስነ ጥበብ ንደቂ ሰባት መዕቆቢ ከተማ እዩ
29 April 2024, 16:21