ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ኣብ ቨነዚያ፡ ካብ ናይ ኢድ ተለፎናትኩም ተላቒቕኩም ንኻልኦት ኣስተብህልሉ! ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ኣብ ቨነዚያ፡ ካብ ናይ ኢድ ተለፎናትኩም ተላቒቕኩም ንኻልኦት ኣስተብህልሉ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ኣብ ቨነዚያ፡ ካብ ናይ ኢድ ተለፎናትኩም ተላቒቕኩም ንኻልኦት ኣስተብህልሉ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መንስያት ቨነዚያ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብ ክንዲ በይንና ስለ ዝኾንና ድዩ ወይ ብጌጋ ተረዲእና ካብ ምጉርምራም፡ ከመይ ጌርና ንኻልኦት ህያብ ብምዃን ከመይ ገይርና ክንሕግዞም ከም ዝኽእሉ ከስተብህሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 28 ሚያዝያ ንግሆ ኣብ ቬዚያ ኣብ ፊት ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ሰናይ ጥዕና ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ምስ መንእሰያት ተራኺቦም ንመንእሰያት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኩላትና ፍቑራት ደቂ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ዓቢ ህያብ ከም ዝተቐበልና ብምዝኽኻር ሓጐሱ ንኻልኦት ክንካፍል ዝተጸዋዕና ኢና ቢሎም፥ ብጐይታን ካብ ጎይታን ዝኾነ ጽባቐና ዳግማይ ክንረክብን ብስም እቲ ንመንእሰያት ዘፍቅርን ወትሩ ዘገርመናን መንእሰይ ኣምላኽ ኢየሱስ ክንሕጐስ ኢና ኣብዚ ዘሎና . . . ማርያም ኣደ ኣምላኽ ከም እትኸውን ምስ ፈለጠት "ተንሲኣ ኸደት" ዚብል ቃል መሰረት ገይሮም ኣስተምህሮ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

ኣምላኽ ከም ቈልዑ ገይሩ እዩ ዚርእየና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም መንእሰያት "ተንስኡ” ቢሎም፡ "ንሰማይ ኢና እተፈጠርና እሞ ካብ ምድሪ ንተንስእ። ካብ ጓሂ ንተንስእ ናብ ላዕሊ ንጠምት። ኣብ ቅድሚ ህይወት ደው ክንብል ደኣ እምበር ኣብ ዓራት ክንኩርመይ ኣይኮናን ዝተጸዋዕና . . . ንግሆ ንግሆ ክንበራበር እንኮለና ነፍሲ ወከፍና ብቐዳምነት ክንገብሮ ዘሎና ነገር፥ ንኣምላኽ ስለቲ ውህበት ህይወት ተመስግን ምባል እዩ - ኣምላኸይ ስለ ህይወት አመስግነካ። ንህይወት ከፍቅር ደግፈኒ ንስኻ ህይወተይ ኢኻ" ንበሎ።

መንእሰያት ምስቲ ንዓለምና ናብ ጸላም ንዝቕይራ "ጨቋኒ መንፈስ" ክቃለሱ ውዕዉዕ ሓይሊ ኮይኖም ክርከቡን "ጐይታ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ፈጺሙ ኣየጒህዮምን ወትሩ ሓፍ የብሎም። ይቕረ ስለ ዚብለልና ብኢዱ ሓፍ ነኸብለና ዝደሊ እዩ እሞ ንፈቕደሉ . . . ክንወድቕ ወይ ክንጋገ እንኮለና እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ከም ኣቦ ይቐርበናን የተንስኣናን . . . "ከምቶም ዝቐጽዑ እኩያት ዘይኰነስ ካብ ዝወደቕናሉ ዘተንስእ . . . ኣቦ እዩ።”

ንናይ ኢድ ተለፎን ዘይኮነስ ንብጻይና ንጠምት

ካብ ምትኻስና ወይ ሓጢኣትና ምስ ተንሳእና ብምግባረ ሰናይ ኣብ ኢየሱስ 'ክንጸንዕ' ኣሎና፥ ክርስትያን ብስምዒትን ብግዜኣዊ ዕግበትን ኣብ ክንዲ ዚነብር ኣብ ናይ ሓባር መስዋዕተ ቅዳሴ ቀሪቡ ብምጽላይ ብእምነትን ፍቕርን ሓቢሮም ኪጸንዑ እዮም ዝተጸውዑ . . . 'እንተዀነ ግን ኣብ ከባቢየይ ዘሎ ዅሉ ሰብ ኣብ ናይ ኢድ ተለፎንን ኣብ ናይ እዋንና ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘቕርብዎ መሕለፊ ግዜ ጠቢቑ ክንቀሳቐስ ኢና እንርዮ፡ "ግናኸ ከይፈራህኩም ኣንጻር እቲ ዋሕዚ ኪዱ፣ ህይወት ኣብ ኢድኩም ጨብጥዋ . . . ተለቪዥን ኣጥፊእኩም ወንጌል ከፈቱ፣ ካብ ናይ ኢድ ተሌፎንካ ወጺእኩም ምስ ሰባት ተራኸቡ!"

መንእሰያት ልክዕ ከምቶም ብመትረብ ቨነዚያ ዚመላለሱ ኣንቀሳቐስቲ መጓዓዝያ ጀላቡ ኣምላኽ ንኺሕግዞም ብምፍቃድ ኣንጻር እቲ ውሒዝ ኪቀዳደሙ ኣለዎም። "ጀላቡ ንምንቅስቓስ ስሩዕ ምዃን ይሓትት። እንተዀነ ግን ጽንዓት ዋላ እውን ከቢድ ይኹን ዓስቢ የምጽእ እዩ" . . .

ንሕና ንኻልኦት ህያብ ኢና

ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ንማርያም እትገልጽ ካልኣይ ግሲ ማለት “ኪድ” ኣብ እትብል ግሲ መሰረት ገይሮም "ምትንሳእ ንነብስኻ ከም ህያብ ምቕባል ካብ ኮነ፡ ምኻድ ማለት ድማ ንነብስኻ ህያብ ምግባር ማለት እዩ . . . ህይወት ህያብ ካብ ኮነ፡ ንኻልኦት ንነብሰይ ብምሃብ ክነብር ዝተጸዋዕኩ እየ።”

መንእሰያት ኣብ ፍጥረቱ ንኽሳተፉ ንዝጸወዖም እግዚኣብሔር ክቕበሉ ዓዲሞም . . . "ፍጥረት ባዕልና ፈጠርቲ ጽባቐ ክንከውን፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ነገር ክንፈጥር ይዕድመና . . . ህይወት ክትወሃብ እምበር ክትዕበጥ፤ ስለ ዘይተዓደለና ካብቲ ንነፍሲ ​​ዘደናግር ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለም ክንወጽእ ኣሎና።”

ጎደናታት ሕይወት ብወንጌል ቅብኡ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ገርሀይና ዝኾነ ተራ ልባዊ ጸሎት ክፈጥሩን "ንሓደ ስለ ዝገበርናሉ ምላሽ ክህብ ንዘይክእል ሰብ ናይ ፍቕሪ ምልክት" ክኾኑን ሓቲቶም፥ "ልብኹም ንኣምላኽ ክፈቱ ኣመስግንዎ ነቲ ጽባቐኹም ከኣ ተቐበልዎ፣ ንህይወትኩም ኣፍቅሩዋ" ምስ በሉ "ኪዱ! ወጺእኩም ምስ ካልኦት ተመላለሱ፣ ኣብ በይናውነት ንዘለዉ ድለዩዎም ንዓለም ብመሃዝነትኩም ኾልዕዋ ንመገድታት ህይወት ድማ ብወንጌል ቅብእዎ . . . ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት . . . ተንስኡ እሞ ኩዱ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 April 2024, 16:28