ቤተ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ብሰራዊት ሱዳን ዳግማይ ተታሒዙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ውግእ፣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ካብ ተቐናቓኒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ዳግማይ ከም ዝመንዘዐን፣ በዚ ድማ እቲ ሰራዊት ሱዳን ነታ ርእሰ ከተማ ብሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዳግማይ ክቆጻጸራ ምኽኣሉ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዝሕብር ምዃኑ ይንገር።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ናቢል ዓብደላ፣ እቲ ሰራዊት ሱዳን “ብዙሕ መሳርሕታትን ኣጽዋርን” ካብ ተቐናቓኒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ከምዝማረኸን ኣብሪሁ፣ ዓብደላ ብተወሳኺ፣ እቲ ሰራዊት ክሳብ “ምሉእ ዓወት” ዝጭብጥ ውግእ ክቕጽል እዩ ከም ዝበለን፣ ከተማ ካርቱም ኣብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ዝጀመረላ ቦታ ኮይና፣ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ተቐናቓኒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ንርእሰ ከተማን ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገርን ተቖጻጺሪ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ነጥበ መቐይሮ?
ኣብ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ሰራዊትን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ፣ ኣብ መወዳእታ ናብ ካልኦት ዞባታት ተኣታትዩ ምስ ተባርዐን ሰራዊት ሱዳን ንካርቱም ዳግማይ ክቆጻጸር ዓቢ ዓወትን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ነጥበ መቐይሮን ክኸውን ከም ዝኽእል ዝንገረሉ ኮይኑ፣ ብተወሳኺ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይ ሱዳን ዓወት ከም ዘመዝገበን እቲ ተቐናቓኒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ኣብ ወተሃደራዊ ሜላዊ መስርሕ ኣገደሲ ዝኾነ ዞባታት እታ ሃገር ንምቁጽጻር ዘካየድ ዘሎ ቃልሲ ንምቕጻል ዘለዎም ተወፋይነት ብቐጻሊ ዘረጋግጽ ብምዃኑ እዚ ውሳነኡ ድማ ንሓያሎ ናይ ሰላም ዘተ ጻዕርታት ከይዕወት ይገብር ምህላዉ ይንገር።
ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው
እቲ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፣ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝፈጠረ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሕብር እንከሎ፣ በዚ ድማ ክልቲኦም ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን (RSF) ተቐናቓኒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም እተኸሰሱን ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ዘድልዮም ኮይኖም፣ ካብዚኦም እቶም 16 ሚልዮን ኣብ ኣዕናዊ ኩነታት ንኽነብሩ ዝቃለሱ ትሕቲ ዕድመ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፣ ብውሕዱ 20 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 14 ሚልዮን ድማ ከም እተመዛበሉ ጸብጻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።