ጳጳስ ማርቲነሊ፥ ብኲናት ናይ ዝህሰዩ ዘለዉ የመናውያን ስቓይ የቓልሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዞባ ደቡባዊ ዓረብ ሃገራት ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ጳጳስ ፓውሎ ማርቲነሊ፣ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ምብራኹ ስክፍታኦም ይገልጹ።
እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምላሽ ንምሃብን ብሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ የመን ዝተገብረ ንልዕሊ 100 ሰባት ዝቐተለ ዳግማይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፣ ሕነ ንምፍዳይ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ እስራኤል ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ። ከምኡ እውን ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዓመጽቲ ሑቲ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ምዃኑ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዘሎ ግጭት፣ ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዓመጽቲ ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝተቖጻጸሩሉ እዋን ዝጀመረ፣ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ተባሂሉ ዝንገረሉ ኩናት ሓድሕድ የመን ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ጻዕርታት የተሓላልኾ ከም ዘሎ ገሊጾም፣ ኣብቲ ውግእ ክሳብ 400,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ይእመን፣ ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ተመዛቢሎምን ብኽቱር ጥምየትን ድኽነትን ሕማምን ይሳቐዩ ኣለዉ።
ዝለዓለ ዋጋ ዝከፍሉ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም
“ብሰንኪ ዓቢ ዘይውሕስነት፣ ብጭቡጥ ነቲ ኩነታት ክቕይር ዝኽእልን ኣብ መወዳእታ ድማ ሓድሽ ተበግሶ ዘፍቅድን ውጥናት ሰብኣዊ ሓገዝ ምክያድ ኣጸጋሚ” ምዃኑ ኣብሪሆም፣ “ኣብ ከምዚ ዝበለት ጽብቕቲ ሃገር ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድኽነት ክርከብ ምርኣይ ብሓቂ ዓቢ ስቓይ እዩ።” ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ብፍላይ እቶም ተኣፋፍያን እንኮላይ ሕጻናት ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ ምዃኖም ኣመልኪቶም፣ መብዛሕቲኦም ካብቶም ሰለስተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ የመናውያን ህጻናት ኣብ ከቢድ ኩነታት ድኽነትን ጥምየትን ይርከቡ ኣለዉ፣ ከምኡ’ውን ለበዳ ሕማም ኮሌራ ሓዊሱ ዝተፈላለየ ዓይነት ተላባዒ ሕማም የጋጥሞም ኣሎ ኢሎም።
'ጠንቂ ዓቢ ቃንዛ'
ኣብ መንጎ መንግስትን ሓይልታት ዓመጽትን ናይ ሰላም ዘተ ዝብገስ ኣብ ዝመስለሉ እዋንን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተኹሲ ደው ምባል ተውሲኽዎ “ናይ ህዝቢ የመን ተስፋ ዝድግፍ ኩነታት ክህሉ ገይሩ ነይሩ፣” ርእሰ ብሔር ትራምፕ ንሑቲ “ሓይሊ ኣሸበርቲ” እንክብል ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ክሰፍሩ ዘመሓላለፎ ውሳኔ፡ ኣብ ሰሜን የመን ዝጸልው ሕቶታት ክለዓል ይገብር ኣሎ። እቲ “ግሉጽን ሰፊሕን ግጭት” “ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ዓሚቝ” ከም ዝኸውን ኣጠንቖም፣ ህዝቢ የመን፡ “ናይ ዓሰርተ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ጾር ተሸኪሙ ኣሎ። ምሉእ ሃገር ዘጠቓልል ኲናት እንተጋጢሙ እቲ ህዝቢ ከጋጥሞ ዝኽእል ስቓይ ክትሓስቦ እውን ዘጸግም እዩ ዝኸውን” ኣንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።