ኣብ 22 ሃገራት 130 ሚልዮን ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ከም ዝኾኑ ትካል ኣድሕን ህጻናት ኣፍሊጡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ለበዳ ኮቪድ - 19 ምስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘጋጥም ከቢድ ኩነታት ኣየር ተደሚሩ፣ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል የዕንው ምህላዉ ትካል ኣድህን ሕጻናት ሓቢሩ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብተን ብለበዳ ኮቪድ - 19 ኣዝየን ዝተሃስያ 22 ሃገራት ፣ብውሑዱ 130 ሚልዮን ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኮይኖም ከምዘለዉ ዘርኢ ትንታነ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከም ዝገበረን፣ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ከጋጥም እውን ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ጸብጻ ኣድሕን ህጻናት ጠቒሱ የመላኽት።
ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ምዕጻው ኣቢያተ ትምህርቲ
ኣብተን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ንነዊሕ እዋን ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጠመን 30 ሃገራት፣ ኣማእኪሉ ትካል ኣድሕን ህጻናት ብዛዕባ ተበጻሕነት ትምህርቲ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ፣ ካብ ጥሪ 2022 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብያተ ትምህርቲ ከም እተዓጸዋን፣ ይኹን እምበር ኣብ ከም በዓል ፊሊፒንስ፣ ባንግላድሽ፣ ሜክሲኮን ሆንዱራስን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ እዚ ምዕጻው እዚ ዅሉ ምስ ጽልዋታት ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር፡ እንኮላይ ውሕጅን ማዕበል ሙቐትን ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰር ኣጉሊሑ፣ እዚ ኩነታታ እዚ ብዙሓት ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ይገብር ምህላዉ ይሕብር።
ምዕጻው ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዘለዎ ቀጻሊ ጽልዋ
ኣብተን ብሰንኪ እቲ ኣብ መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዘጋጠመ ለበዳ ኮቪድ - 19 ንነዊሕ እዋን ኣብያተ ትምህርቲ ክዓጽዋ ዝተገዳ 30 ሃገራት ኣማእኪሉ ትካል ኣድህን ህጻናት ብዛዕባ ተበጻሕነት ትምህርቲ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2022 ዓ.ም. ንደሓር ብዙሓት ኣብያተ ትምህር ከም እተዓጸዋ ኣመላኺቱ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝተዓጽወን ሃገራት፡ ህጻናት ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ክሳራ ከምዘጋጠሞም የመላኽት።
ብፍላይ ፊሊፒንስ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ - 19፣ ሓደ ካብቶም ዝነውሐ ግዜ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጠማ ሃገር ምዃና እቲ ትካል ኣድሕን ህጻናት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ጉዳይ ዝሓልይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ካብ መጀመርታ 2020 ዓ.ም. ክሳብ መጋቢት 2022 ዓ.ም. ንልዕሊ 520 መዓልታት ኣቢያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ከም ዝነበራ እቲ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዓለም ደረጃ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣስታት 28 ሚልዮን ተማሃሮ እውን ብሰንኪ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ተወሳኺ ምዝንባዕ ከምዘጋጠሞምን፣ ብዙሓት ዕድሚኦም ሸሞንተ ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ህጻናትን መንእሰያትን መጀመርያ ብሰንኪ ኮቪድ - 19፣ ድሒሮም ድማ ብሰንኪ 15 ጽንኩራት ኩነታት ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር፣ ከም ኣብ ዝሓለፈ 2004 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ዝተራእየ ብርቱዕ ሃሩርን ህቦብላን፣ ብዙሓት ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ከም ዝሰናኸሎምን ትካል ኣድሕን ህጻናት ናይ መንግስቲ ጸብጻብ ተወኪሱ፣ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓመት ካብ 2023 – 2024 ዓ.ም. ተማሃሮ ብሰንኪ ከቢድ ኩነታት ኣየር 32 መዓልታት ካብ ቤት ትምህርቲ ክቦኽሩ ከም እተገደዱ የረጋግጽ።
ቀጻሊ ሓደጋታት
ብደረጃ ዓለም፣ ኣብ መንጎ መጀመርታ 2022ን ሰነ 2024ን ዓ.ም.፣ ኣብ 81 ሃገራት 404 ሚልዮን ህጻናት ብሰንኪ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ካብ ትምህርቲ ከም እተሰናኸሉን፣ በዚ ፍጻመታት ዝተሃስያ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ከም እተገዳን፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ብማእከላይ ገምጋም፣ 28 መዓልታት ከም እተዓጸዋ ትካል ኣድሕን ህጻናት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ገሊጹ፣ ካብዚ ሓሊፉ ኩነታት ኣየርን ንትምህርቲ ዝጸሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ክውስኽ ከም ዝኽእል የጠንቀቕ።
ናይ ርሑቕ ትምህርቲ ነቲ ጸገም ኣይፈትሖን እዩ
እዚ ኩነታት እዚ ናይ ርሑቕ ትምህርቲ ክሰፍሕ ዝሕግዝ እኳ እንተኾነ፣ ሕቡራት ሃገራት ግን ክልተ ሲሶ ካብቶም ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ህጻናት ኣብ መላእ ዓለም፣ ኣገልግሎት መርበባዊ ርክባት ከም ዘይረኽቡ ሓቢሩ፣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ - 19ን ኣብ እዋን ምዕጻው ኣባይቲ ትምህርትን ትካል ኣድሕን ህጻናት፣ ንተማሃሮ ንምድጋፍ ከም መጻሕፍትን ንትምህርቲ ዘገልግሉ ርሑቕ ትምህርቲ ንኽክታተሉ ዝሕግዝ ናውትን ከም ዝዓደለን፣ ብተመሳሳሊ ድማ ነቲ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ዘስዕቦ ምቁራቅጽ ትምህርቲ ንምብዳህ ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ከም ዝዓይን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ የመላኽት።