ፓትሪሲያ ስኮትላንድ፡ ሰብኣዊ ሕውነት ሰገር ምጽውዋር እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
በብዓመቱ ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት፡ ነቶም ካብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ዓለም ዝመጹ ውልቀ - ሰባት ወይ ጕጅለታት፡ "ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ፡ ፍልልያት ዘራኽብ ድልድል ኣብ ምሕናጽን ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ምትእስሳር ንምምስራትን ደኺመ ከይበሉ ንዝዓዩ” ዝወሃብ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ሸኽ ኣህመድ ኣል - ጣየብ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ፡ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ ስዒቡ ዝተጀመረ ዓመታዊ ሽልማት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘካኺሩ፥ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ዕለት 4 ለካቲት፡ ማለት ብውድ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝረኸበ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝካየድ ስነ - ስርዓት ክወሃብ እዩ። እቶም ተዓወትቲ ብናጻ ዳያኑ ዝተምረጹ ከም ዝኾኑን፡ ናይ ለምዘበን መራጺ ተሸለምቲ ሽማግለ ደያኑ ኣባል፡ ዋና ጸሓፊት ጉጅለ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ፓትሪሶያ ስኮትላንድ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ድሕሪ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፥
ሕቶ፡- ኣካል ናይ’ቲ ንሽልማት ዛይድ ዝመርጽ ሽማግለ ዳያኑ ኢኺ። መስርሕ ምምራጽ ተሸለምቲ ከመይ ከይዱ?
ኣካል ናይ’ቲ ንሽልማት ዛይድ ዝመርጽ ሽማግለ ዳያኑ ኮይነ ምሕራየህ ኣዚዩ ባህ የብለኒ። ከም እትፈልጥዎ ጉጅለ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ን56 ሃገራት ዝውክል፡ ኣስታት 27 ቢልዮን ሰባት ዘጠቓልልን 60% ካብኣቶም ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝውክል እዩ፡ ኣብ ክቡራት ዋጋታት ናይ ብሓቂ ትኹረት ኣለና – ብናይ ሓባር ቅዋም ዝተጠርነፈና ኢና፡ እዚ ድማ ንክብርታት ሽልማት ዛይድ ኣዝዩ ዘንጸባርቕ ክውንነት እዩ። ብሓቂ ሰብኣዊ ሕውነትን ማዕርነትን ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣብነታት ክንረክብ ኣብ እንደልየሉ እዋን፡ ኣብዚ ሽልማት ክሳተፍ ምኽኣለይ ንዓይን ዓቢ ክብሪ እዩ።
ቫቲካን እውን ኣብ ሽልማት ዛይድ ትሳተፍ ከም ዘላን፣ ካርዲናል ፒተር ቱርክሰን ድማ ኣብዚ ዓመት ኣባል መጋባእያ ዳያኑ እዮም፡ ንስኺ ድማ ካቶሊክ ኢኻ – ኣብዚ ኩሉ እምነትኪ እንታይ ተራ ነይርዋ?
ኣብዚ ጉዳይ እዚ እምነተይ ዓቢ ተራ ኣለዎ፡ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ተሰለምቲ ሽልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ ዒማም ኣል - ጣይብ እዮም ዝነበሩ። እቶም ክልተ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ዓለምና ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ኣብ ነንሕድሕድና፡ ምርድዳእ፡ ምክብባር - ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ሕውነት ኪኖ ምጽውዋር ምዃኑ ንምጉላሕ ብሓባር ምምጽኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።
ሕውነት ደቂ ሰባት ምጽውዋር ኣይኮነን፤ ሓደ ስድራቤት ምዃንና ምርዳእ እዩ፡ ሰብኣውነትና ካብ ኩሉ ንላዕሊ መሰረታዊ ምዃኑ ምርዳእ እዩ። ካቶሊክ እንተኾንካ ነፍሲ ወከፍ ንጽል ወዲ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ ምበልካ፣ ክብርን ጽባቐን ህይወት ክዕቀብ ኣለዎ፡ እታ ንርከበላ ናይ ሓባር ገዛና እውን ክትዕቀብ ኣለዋ . . . እምበኣር ኣካል ናይቲ መራጻይ ተሸለምቲ ሽማግለ ደያኑ ምዃነይ ኣዚዩ ሓጎስ ፈጢሩለይ እዩ፡ ምኽንያቱ ብርግጽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዘሎ ንጽል ሰብ፣ ዘለዎ እምነት፣ ሕብሪ ወይ ተክለ ሰብነቱ ብዘየገድስ ከነፍቅሮ ከምዘለና፡ ወትሩ ብንጹር ገሊጾምልና እዮም። እዚ ድማ ብሓቂ ኣብ ልብና ዘቃልሕ ሰብኣውነቶም እዩ ኢላ።