ድለ

ኣብ ደ. ረ. ኮ. ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ልዕሊ 700 ሰባት ከም እተቐትሉ ው. ሕ. ሃ. ይሕብር ኣብ ደ. ረ. ኮ. ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ልዕሊ 700 ሰባት ከም እተቐትሉ ው. ሕ. ሃ. ይሕብር  (AFP or licensors)

ኣብ ደ. ረ. ኮ. ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ልዕሊ 700 ሰባት ከም እተቐትሉ ው. ሕ. ሃ. ይሕብር

ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ማእከል ከተማ ጎማ ብዝተኻየደ ውግእ ብውሕዱ 700 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪች፡ ብሩዋንዳ ዝድገፉ - ዓመጽቲ ኤም - 23 ንርእሰ ከተማ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ ንኽቆጻጸሩ ብዘካየዎ ውግእ ብውሑዱ 2,800 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ዝተቐትሉ ቁጽሪ ኣዚዩ ክብ ክብል ምዃኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ፡ እቲ ዝሃቦ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለምን መሻርኽቱን ዘቕረብዎ ገምጋም ዝተወስደ እውን ምዃኑ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዓመጽ

ኣብ ምብራቓዊ ዲ.ረ. ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ካብ 1990ታት ዝጀመረ እኳ እንተኾነ ካብ መጀመርታ 2025 ዓ.ም. ጀሚሩ ብቕልጡፍ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎን ብኣባላት ብሄረ ቱትሲ ዝቖመ ኤም - 23 ጉጅለ ዓማጽያን ንመሰል ውሑዳት ይቃለስ ከም ዘሎ ክሕብር እንከሎ፡ መንግስቲ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ድማ ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ ብናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ዝተዓደለ ዞባታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንምቁጽጻር ኣሚቶም ዘካይድዎ ውግእ ምዃኑ ይሕብር።

ብመሰረት ጸብጻብ መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ሰባት መግብን ካልእ ቀረብን ኣብ ዝውድእሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኩነታት ክግለጽ ናብ ዘይከኣል ኣዕናዊ ደረጃ የብል ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ግብረ - ሰናይ ሰራሕተይናታት ው. ሕ. ሃገራትን መሻርኽቶምን  ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ተዋፊሮም ከም ዘለዉን እንተዀነ ግን እቶም ዓማጽያን ንመብዛሕትኡ ከተማ ጎማ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዞም ካብ ዝቆጻጸርዎ ንደሓር እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅራብ ዘሳልጥዎ ዕማም ይተዓናቐፍ ምህላዉ ምንጪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 Feb 2025, 17:02