ዓመጽቲ M23 ርእሰ ከተማ ዲ.ሪ.ኮ ኪንሻሳ ክቆጻጸሩ ዘለዎም ድላይ ወግዓዊ ይገብሩ
እታ ዝዓበየት ከተማ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝሓዙ ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ፡ ቃልሶም ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኪንሻሳ ከብጽሕዎ ድላይ ከም ዘለዎም ይገልጹ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓመጽቲ ኤም - 23 ንመብዛሕትኡ ክፋል ጎማ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ናብ ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ኪቩ ቡካቩ ገጾም ይግስግሱ ከምዘለዉን፡ እዚ ድማ ኣብ ነበርቲ ፍርሕን ስንባደን የስዕብ ምህላዉን ርእሰ ብሔር ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ነቲ ናዕቢ ንምምካት ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምትእኽኻብ ክግበር ኣብ ዝጽውዓሉን ሚኒስተር ምክልኻሉ ድማ ነቲ ዓማጽያን ኤም - 23 ዘቕረቦ ጻውዒት ዘተ ብምንጻጉ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥሪ ክብ ይብል ከም ዘሎን ሚኒስተር ምክልኻል ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ምስቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝቀጸለ ግጭት ንዝዋስኡ፡ ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ዝነብሩላ ምብራቓዊት ከተማ ጎማ ዝቖጻጸሩ ምስ ዘለዉ ዓመጽቲ ኤም - 23 ካብ ምዝታይ ቃልሲ ከም ዝመረኡ ይንገር።
02 Feb 2025, 12:19