ድለ

ስደተይናታት ሶርያ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ሰብኣዊ ድጋፍ የድልዮም ስደተይናታት ሶርያ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ሰብኣዊ ድጋፍ የድልዮም 

ስደተይናታት ሶርያ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ሰብኣዊ ድጋፍ የድልዮም

ናይ ሃገረ ሊባኖስ ርእሰ ብሔር ጆሴፍ ኣውን፡ ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሽማግለ፥ ተመዛበልቲ ሶርያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኵለ መዳያዊ ሓገዛት ከቕርብ ከም ዝሓተተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሊባኖስ፡ ሶርያውያን ስደተይናታት ናብ ዓዶም ንኽምለሱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ደገፍ ከቕርብ ከም ዝሓተተን፡ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳያት ዝከታተል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሽማግለ፡ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ሶርያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ምውህሃድ ክሕግዝ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሊባኖስ ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ስደተይናታት ሶርያውያን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም እትደሊ ገሊጹ፡ ድሕሪ ደጊም ሊባኖስ ብርክት ዝበሉ ስደተይናታት ናይ ምእንጋድ ጾር ክትስከም ከምዘይትኽእል ብትረት ከም ዝገለጸ የመላኽት።

ርእሰ ብሔር ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ልዕሊ 195 ሽሕ ሶርያውያን ካብ ሊባኖስን ዮርዳኖስን ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ይግመት። ዳህሳስ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳያት ዝከታተል ላዕለዋይ ሽማግለ ከምዘመልክቶ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፍቓደይናታት ዝኾኑ ቅጽሪ ሶርያውያን ስደተይናታት ወሰኽ ከምዘርኣየን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ጥራይ፡ ካብ 1 ሚእታዊ ናብ 30 ሚእታዊት ክብ ከም ዝበለ ይሕብር።

ኣብ ካልእ ምዕባለ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ኣብዚ ሰሙን ናብ ደማስቆ ቀጥታዊ በረራታት ዳግማይ ብምጅማር ንኣስታት 13 ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዝጀመረን፡ እዚ ዳግማይ ምብጋስ ክሌኣዊ ርክብ፡ ምስቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ግጭት ሶርያ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ ዓለም ተፈልዩ ዝጸንሐ መንግስቲ ሶርያ ዝነበሮ ዝምድናታት ናብ ንቡር ንምምላስ ሰፊሕ ዞባዊ ድፍኢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፡ ቱርኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደማስቆ ድሕሪ ምእላይ ኣል - ኣሳድ፡ ቤት ጽሕፈት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዳግማይ ብምኽፋት፡ ናይ ቱርኪ ልኡከ መግንስቲ ከም ዝስደደት ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ግዝያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶርያ፡ ንዓለምለኻዊ ቁጠባዊ መድረኽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ዋላ’ኳ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዝጸንሐ ኲናት ኵለ መዳያዊ ዕንወት ዘጋጠማ እንተኾነ፡ ዓቢ ናይ ወፍሪ ዕድላት ከምዘቕረበት ገሊጹ፡ ቀዳምነታት ሶርያ ከም መራኸቢታት፣ መገድን፣ ወደባት፣ ትምህርቲ፣ ክንክን ጥዕናን ጸዓትን ዝኣመሰሉ ትሕተ ቅርጺ ዳግመ ህንጸት ዘጠቓልል ምዃኑ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Jan 2025, 14:51