ድለ

ጽባቔ ምድላይ ኵላዊ ባህርይ እዩ ጽባቔ ምድላይ ኵላዊ ባህርይ እዩ 

ጽባቔ ምድላይ ኵላዊ ባህርይ እዩ

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጅዳ በቢ ክልተ ዓመት ዝቐርብ ምርኢት እስላማዊ ስነጥበብ ኣማእኪሉ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየደ ናይቲ መደብ ምርኢት ሓላፊ ኣብደልራሕማን ዓዛም፥ ‘ሓቅን ፍልጠትን ጽባቐን ምድላይ’ ‘ብሓደ ሃይማኖት፡ ብሓደ ባህሊ፡ ብሓደ ስልጣነ ዝውነን ኣይኮነን - ቢሉ - ሓቅን ፍልጠትን ጽባቔን ምድላይ ኩላዊ ባህርይ ምዃኑ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ለምዘበል ኣብ ጂዳ ንምርኢት ዝቐረበ ክልተ ዓመታዊ ምርኢት እስላማዊ ስነ ጥበብ፥ “ኣብ መንጎ ሓድሕድናን ኣብ ኩሉን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኮይኑ፡ እዚ ኣርእስቲ እዚ ድማ ካብ ቁርኣን ዝተወስደ – “እምነት ብኸመይ ከም ዝንበር ዘዘኻኽር ከም ዝኾነ፡ ዓዛም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት የብርህ። ንመጀመርያ ግዜ እዚ ምርኢት እዚ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ካብ ሓዋርያዊ ቤተ - መጻሕፍቲ ቫቲካን፡ ጥንታዊ ትርጉማት ቁርኣን፡ ጽሑፋት ስነ - ፍልጠት ስነ-ከዋኽብቲ፡ ከምኡ’ውን ፍሉይ ዝኾነ ዳርጋ ሽዱሽተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ መበል 17 ክፍለ ዘመን ስነ መልክዓ ምድራዊ ካርታ ዝርከብዎ ብርትክ ዝበሉ ናይ ባህልን ንብረት ቤተ መዘክር ቫቲካን ከም እተለቀሐ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይቲ ምርኢት ዋና ሓላፊ ጁልያን ራቢን ዓብደልራሕማን ዓዛምን ብዛዕባ’ቲ ምርኢትን ኣገዳስነት ኣበርክቶ ቫቲካንም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ ይገልጹ።

ሓቅን ፍልጠንት ጽባቐን

ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ዕላማታት ናይቲ ምርኢት፡ “እስላማዊ ስልጣነ ናይ ዓረብ ስልጣነ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንብዙሓት ኣህጉራት ዝቐረጸ ስልጣነ እውን ምዃኑ ዝምስክር ከም ዝኾነ ካልኣይ ኣመሓዳሪ ናይቲ ምርኢት ጁሊያን ራብይ፡ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምሕትት ሓቢሩ፡ “ምድላይ ሓቅን ፍልጠትን ጽባቐን ብሓደ ሰብ ከምዘይውነን ንምግላጽ ዝኣመተ እውን ብምዃኑ፡ ዘይኣስላምውያን ትካላት እውን ኣብዚ መደብ እዚ ክሳተፋ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ እንክብል ገሊጹ፡ ሃይማኖት፡ ብሓደ ባህሊ፡ ብሓደ ስልጣነ ብሓደ ዝተወሰነ እዋን ኣይውነን እዩ” . . . በዚ መሰረት ኣስዒቡ ዓዛም፡ “እቲ ምስ ቫቲካን ዝተገብረ ምትሕብባር ዓቢይ ሓጎስ ከም ዝፈጠረሉ ሓቢሩ፡ “ዝተገብረ ኩሉ ምድላዋት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ናይ ምክብባር፡ ምጽውዋርን ምርድዳእን ክብርታት ዘረጋገጽ እዩ ይብል።

28 Jan 2025, 16:42