ኣብ ሕ. መ. ኣመሪካ ሓድሽ መንግስቲ ዘጽደቖ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝምልከት ሕጊ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ብባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝጸደቐ ናይ መጀመርታ ሕጊ ሌከን ራይሊ፡ ንዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዝምልከት ኮይኑ፥ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ወጻእተይና ከምኡ እውን ዝኾነ ይኹን ኣብታ ሃገር ዝነብር ናይ ፖለቲካ ስደተይና ቀለልቲ ገበናት ማለት ብነኣሽተ ግብረ ስርቂ ወይ ስርቂ ኣብ ድኳናትን ብዘጠቓልል ገበን ዝተሓዝ ክእሰርን ናብ ዝመጻሉ ሃገር ክስጎግን ዝብል ኮይኑ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ሜክሲኮ ዘዳብዎ ደቡባዊ ዞባ ኣብ ዘሎ መስቀላዊ መንገዲ መንግስቲ ኣመሪካ 1500 ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ክሰፍርን ነቶም በቲ ዘዳብው መስቀላዊ መገዲ ናብ ኣመሪካ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተይናትን ዑቕባ ሓተትን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኸይኣትዉ ናይ ምኽልካል ሓላፍነት ከም ዝህልዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሕቶ ወሰኽ ቀረጽ
ርእሰ ብሔር ትራምፕ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ፡ ብዛዕባ ግቡእነት/ሓላፍነት ክዛረብ እንከሎ፡ ብዛዕባ ቀረጽን ከምኡ እውን ጸረ ኣመሪካውን ስምዒት ንዝምልከቱ ጉዳያት መልሲ ንምሃብ ድልው ምዃኑ ገሊጹ፥ ካብ ወጻኢ ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ምህርቲ ቻይናን ኤውሮጳን ዝምልከት ግብሪ ክብ ከብል ምዃኑ ከም ዝገለጸን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ብዛዕባ ሕግታት ትራምፕ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፥ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኣመሪካ እቲ 56 ሚእታዊ ከም ዝድግፎ ይሕብር።
ኵናት ዩክሬይን
ኣብ ቁጠባዊ ጉዳይ ብዛዕባ ግብርን ቀረጽን፡ ትራምፕ ነቲ ሃገሩ ድሮ ንሰለስተ ዓመት ብእገዳ ተታሒዛ ዘላ ፈደራላዊት ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ጠቒሶም እንከጠንቅቑ፥ ነቲ ውግእ ደው ንምባል "ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕ እንተዘይተገይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተወሳኺ እገዳ ካብ ምውሳን ሓሊፈ ካልእ ኣማራጺ ኣይክህልወንን እዩ” ቢሉ፥ ፑቲን ናይ ሃገሩ "ቁጠባ የዕንው ኣሎ፥” ምስ በለ፥ ኣብ መወዳእታ፡ ትራምፕ ነቲ ናይ ኣመሪካ ፈደራላዊ ጉዳያት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ትካል ክፈርስ እዩ፥ እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣመሪካ ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ኣብ ካሊፎርንያ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓውን ዝፈጠሮ ህጹጽ ኩነታትን ኣብ ግምት ብምታው ዝህቦ ውሳኔ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።