ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እናበኣሰ ይኸይድ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ክንገር እንከሎ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሓደስቲ ከባቢታት ኣብ ኢድ እቲ ብኤም - 23 ዝፍለጥ ጉጅለ ዓመጽቲ ከም ዝኣተዋን፡ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜን ኪቩ ዝኾነት ከተማ ጎማ እውን ይቆጻጸሩ ከም ዘለዉ ክሕበር እንከሎ፡ እቶም ብሩዋንዳ ዝድገፉ ኤም - 23 ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ ዓመጽንቲ፡ ምስ ሓይሊ ምክልኻል ኮንጎን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝድግፉ ሓይልታት ዋዛለንዶ እተሰምየ ዕጡቕ፡ ብርቱዕ ውግእ የካይዱ ከም ዘለዉን፡ እዚ ብርቱዕ ውግእ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ጎማ ዝተኻየደ ከም ዝነበረን፡ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዓመጽቲ ከም ዝኣተወ ይንገር።
ህልው ኩነታት ጎማ
ዕለት 27 ጥሪ ናይ ሰበኻ ጎማ ጳጳስ ዊሊ ንጉምቢ ንገንገለ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ሕክምና ኣዴታትን ህጻናት መጥቓዕቲ ከም ዝወረደን፥ ካብቶ ዝተወልዱ ሓደስት ዕሸላት ዝሞቱ ከም ዘለዉን ኣብ ናይ ሰበኻ ጎማ ህንጻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ክፊላዊ ዕንወት ከም ዝወረደን ሓቢሮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ናይታ ከተማ ተቕማጦ ኣብ ኣባይቶም ተዓጽዮም ከም ዘለዉን ብዙሓት ድማ ናብ ሩዋንዳ ይስደዱ ምህላዎም ምንጭታት ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የመላኽት።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጽሩ ተምዛበልቲ
ብመሰረት ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ወኪል ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ በርናርድ ባሊቡኖ፡ "እታ ከተማ በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምኽንያት ተዓጽያ ከም ዘላን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ይመዛበሉ ከም ዘለዉን፡ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ንስእነት መሰረታዊ ኣድላይነታት ተቓሊዑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይቲ ካቶሊካዊት ትካል ረድኤት መግለጺ ጠቒሱ እንከመላኽት፥ ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባላት ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓኻይም እውን ብወገኖም፡ ኣብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝነበረሉ ዞባታት ደብዳብ ይፍጸም ከምዘሎን ምምዝባልን ዓመጽን ምዝማትን የስዕብ ኣሎ ከም ዝበለ ሓቢሩ።
ዝተረሰዐ ቅልውላው
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኮንጎን ጉጅለታት ዓመጽትን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ሩዋንዳ ዘሳትፍ ኮይኑ፡ ናብ ዞባዊ ግጭት ክዓቢ ከምዝኽእል ስግኣት ከም ዘሎን፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝሎ ግጭት፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዉ ብዙሓት ዝተረሰዑ ውግኣት ሓደ ምዃኑን፡ ኣዒንቲ ምዕራባውያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ጥራሕ ኣብ ዘድህባሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብጥሜትን ሕማምን ዓመጽን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ይሞቱ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካ ይሕብር።