ዝኽሪ ሰብዓ ዓመት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ መንጎ ክልተ ኮርያታት
ዕለት 27 ሓምለ ካብት ኣብ ዶብ ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ብእትርከብ ቍሸት ፓንሙንጅዮን ዝጽዋዕ ስምምዕ ምቝራጽ ተዅሲ ኣብ ዝኽሪ መበል ሰብዓ ዓመት፡ ኣብ ሮማ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሮማ ትረ መንበረ ጥበብ ናይ ታሪኽ መምህር ፕሮፈሰር ፓውሎ ካሩሲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ስምምዕ ክፍታሕ ዘለዎ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ይቕጽል እሎ ይብሉ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ቅድሚ ሰብዓ ዓመት ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን እተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሓደ ካብቲ ኣብ ዝሑል ኵናት ካብ እተኻየዱ ውግኣት መዓተይና ምዃኑ እዩ ዝንገር። ጠንቂ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተላዕለ ግጭት ኣብቲ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ዓመታት እዩ። ኮርያ ንመጀመሪያ ግዜ ብጃፓናውያን ከምእተተሓዘትን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ብሸነኽ ደቡብ እቲ ሰሜናዊ ሸነኽ ድማ ብነበር ሶቪየት ሕብረት ወተሃደራት ናጻ ከም ዝኾነን . . . እዚ ምግምማዕ እዚ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበር ወጥሪ እናገደደ ከም ዝኸደን፡ ኣብ 1950 ዓ.ም. ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኮርያ መጥቓዕቲ እውን ከም ዝፈነወትን፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትመርሖ ጥሙር ወተሃደራዊ ሓይሊ ደቡብ ኮርያ ናጻ ንምውጽእን መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ንምግላባጥ ከምእተፈተነን . . . እቲ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ውግእ ዕለት 27 ሓምለ 1953 ዓ.ም. ኮርያ ናብቲ ቅድም ዝነበረ ክልተ ናይ ምዃን ስምምዕ ዝብል ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከም እተፈበጽሐን፥ ስሜን ኮርያ ፒዮንግያንግ ደቡብ ኮርያ ድማ ሴውል ርእሰ ከተማታተን ገይረን ክልተ ሃገራት ኮይነን ከምዝቖማ ፕሮፈሰር ካሩሲ ገሊጾም።
ዘይተፈትሐ ሕቶ
እቲ ስሙ ካብታ ኣብ ዶብ ክልቲአን ኮርያ እትርከብ ንእሽቶ ቑሸት ዝወሰደ ስምምዕ ዕርቂ ኣምበኣር ውዕል ሰላም ከምዘይነበረ ሓቢሮም፡ “እዚ መዳይ እዚ ንሕቶ ኮርያ ክፉትን ዘይተፈትሐን ገይሩ ስለ ዝገደፎ እቲ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ዓቢይ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ይገብሮ። . . . እቲ ስምምዕ መፍትሒ ክረክብ ዘለዎ ዓቢይ ጸገም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ድማ ኣብዚ ደረጃ ኣዚዩ ከቢድ ይመስል፡” ምኽንያቱ ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ እቲ ግጭት ዝተፈላለየ ህሞታት ኣጋጥሚወን እዩ። ኣብ ሰሜን ኮርያ ሓያሎ ምልካውያን መንግስታት ከም ዝነበሩን እዚ ሕጂ ዘሎ ገዛኢ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ዩን ወዲ ሓው ናይቲ ኣብ 1950 ዓ.ም. ነቲ ኩናት ዘለዓዓሉ እዩ። በቢ እዋኑ ፍተነ ሚሳይላት ብምክያድ ድማ ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ምልዕዓል ይቕጽል ኣሎ። ብኣንጻሩ ደቡብ ኮርያ ኣብ መወዳእታ 1980 ዓመታት ብወግዒ ናብ ከባቢ ጽልዋ ምዕራባውያን ኣትያ።
ናይ ፒዮስ መበል 12 ዓዋዲ መልእኽትን ምንጻግ ዓመጽን
ኣብ እዋን ኵናት ኮርያ ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ መንጎ ህዝብታት ስኒትን ሰላምን ክህሉ ደጊፋ ከምእተዛረበትን፡ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዕለት 19 ሓምለ 1950 ዓ.ም. ተጻብኦታት ደው ክብልን ኣብ መንጎ ኩሎም እቶም ዝምልከቶም ወገናት ዘይጎነጻዊ ዘተ ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዘኪሮም፡ “ራእይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1950 ዓ.ም. ምስ ናይ ሎሚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ራእይ ዝመሳሰል እዩ።” ኣብ ሓደ ግጭት “ኣብ ሜዳ ዘለዉ ሓይልታት ናይ ግድን ነንሓድሕዶም ክዘራረቡ ኣለዎም፡ ምኽንያቱ ኣብ ኣካላዊ ዝርገሐ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ዘመርኮሰ ፍታሕ ናብ መጻኢ ዘይምርግጋእ ምልካውነት ዘይምህላው ናጽነትን ደሞክራስን ጥራት እዩ ክስዕብ ዝኽእል” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።