ድለ

ንስልማት ዛየድ ‘ሰብኣዊ ሕውነት’ 2024 ዓ.ም. ሕጹያት ንስልማት ዛየድ ‘ሰብኣዊ ሕውነት’ 2024 ዓ.ም. ሕጹያት  (Vatican Media)

ንስልማት ዛየድ ‘ሰብኣዊ ሕውነት’ 2024 ዓ.ም. ሕጹያት

ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ምዕባለን ምምችቻእ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ዓሚቝ ኣበርክቶ ንዝገብሩ ውልቀሰባትን ኣካላትን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ

ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት፥ ንሰብኣዊ ምዕባለን ስላምዊ ሓባርዊ ህይወትን ንምድንፋዕ ንዝሰርሑ ኣፍልጦ ብምሃብ ንስልማት ዛይድ ሰብኣዊ ሕውነት 2024 ዓ.ም. ኣስማት ሕጹያት ክርከብ ከም ዝጀመረ ዜና ቫቲካን እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት ተሰለምቲ 2024 ዓ.ም. ካብ ዕለት 1 ሰነ ምዝገባ ሕጹያት ከም እተጀመረን እዚ ስልማት እዚ ፍራንቸስኮ ኣብ ሕቡራት ኤሚራት ዓረብ ምስ ዓቢ ዒማም ኣል ኣዝሃር ኣል ጣይብ ዝገበርዎ ታሪኽዊ ርክብን ብኽልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ዝተኸተመ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ምስ ገበሩ ነዚ ስዒቡ ዝቆመ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ስልማት ዛየድ ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ምዕባለን ምምችቻእ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ዓሚቝ ኣበርክቶ ንዝገብሩ ውልቀሰባትን ኣካላትን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከምቲ ዋና ጸሓፊ ስልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት ሽማግለ ዳይና መሓመድ ኣብልደሰላም ዝበልዎ፥ “ሕታም 2024 ዓ.ም. ስልማት ዛይድ ምዝገባ ሕጹያት ተሰለምቲ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ሕብረተሰብ ንሰብኣዊ ሕውነት ዘሰጉሙ ሰባትን ትካላትን ንኻልኦት ንሓባርዊ ረብሓ ከገልግሉ ዘነቓቕሑ ንዓለምና ድማ ንዝሓሸ ምቕያር ዝነጥፉ ሰባትን ትካላትን ሕጹያት ክቐርቡ ንጽውዕ” ቢሎም፥ ብቑዓት ዝኾኑ ሕጹያት ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ስልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት https://zayedaward.org/ ኣብ ዝብል ኣድራሻ ኣስማቶም ምቕራብ ዝክእል ምዃኑ ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣስማት ሕጹያት ክሳብ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ተቐባልነት ክህልዎ ከም ዝኾነን ክኢላታት ህንጸት ሰላምን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ዝሓቑፍ ናጻ ሽማግለ ዳያኑ ነቲ ኣስማት ህጹያት ዳግም ብምግምጋም ነቶም/ነተን ብቁዓት ክመርጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ስልማት ዝወሃበሉ ዕለት 4 ለካቲት 2024 ዓ.ም. ክኸውን እንከሎ እታ ዕለት እቲኣ እውን ምስቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝረኸበ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነትን ምስ ዝኽሪ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ መምህር ኣልጣይብን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ እዚ ስልማት ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ ደለይቲ ፍትሕን ሰብኣዊ ማሕበራትን ስልማት ከም ዝሃቦምን፡ ንሳቶም ድማ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብይ መምህር ኣል ኣዝሓር ኣል-ጣይብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ንጥፍቲ ኣንጻር ጽንፈይናነት ላቲፋ ኢብን ዚያተን ክቡር ንጉስ ዓብደላ ዳግማዊ ቢን ኣል ሑሴን ንጉስ ሓሸሚት ንግስነት ዮርዳኖስን በዓልቲ ቤቶም ግርማዊት ንግስቲ ራንያ ኣል ዓብደላን ሰብኣዊ ትካል ሃይቲን ፍልጠትን ሓርነትን፡ ትካል ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ከምኡ እውን ኬንያዊ ሃናጺ ሰላም ሻምሳ ኣቡበክር ፍድሂልን ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

03 June 2023, 16:24