ኣብ ሱዳን ዓመጽ ይቕጽል ኣሎ
ኣብ ሱዳን ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ኲናት ተዋሳእቲ ሰራዊት ንፈለማ ግዜ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፊት ንፊት ናብ ሰላም ክመርሕ ዝክእል ክሌኣዊ ዝርርብ ከካይዱ እዮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዘሎን ይኹን እምበር ናይ ሰላም ጮራ ሕጂ እውን ይረአይ ከም ዘየሎ ይሕበር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ወከልቲ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ንፈለማ ግዜ ፊት ንፊት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝራኽቡ ክፍለጥ እንከሎ፥ እቲ ቅድመ ናይ ሰላም ዘተ ዝብል ክሌኣዊ ዝርርብ ኣብ መንጎ ስራዊት ሱዳንን ንኡስ ናይ ሓደጋ እዋን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ኣብ ጅዳ ክሌኣዊ ዝርርብ ከካይዱ ትጽቢት ተገይሩ ከም ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ዝበሃል ዘሎ ክሌኣዊ ዘተ ምዕባለታቱ ዝገልጽ ቃል ከም ዘየለን፡ ብፍላይ ካብቲ ናይቲ ናይ ሰላም ዘተ ዘነቓቕሓ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝወጸ መግለጺ፥ ክልቲኦም ወገናት ንረብሓታት ሃገረ ሱዳንን ህዝባን ኣብ ግምት ብምእታው ተኹሲ ደው ከብሉን ንምቁራጽ ግጭትን ኣብ ዝገብር ክሌኣዊ ዝርርብ ብንጥፈት ክዋፈሩ ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እቶም ናይቲ ግጭት ተዋሳእቲ ሓይልታት ብዛዕባ እቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍልጦ ብምሃብ ንሰብኣዊ ቀረብ ዕድል ክህሉ ግዚያዊ ቶኽሲ ሰው ንምባል ኣብ ዝብል ጉዳይ እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ግጭት መዕለቢ ክረክብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ይዛተዩ ከም ዘየለዉ ክንገር እንከሎ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ልዕሊ ካርቱም ናይ ዝርከብ ናይ ቱርኪ ልኡከ መንግስቲ መኪና መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመን እቶም ክልተ ሓይልታት ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ንሓድሕዶም ይካሰሱ ምህላዎም የመላኽት።
ኣብ ሱዳን ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ካርቱምን ካልእ ከባቢታትን ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሰራዊት ምክልኻልን ናይ ሓደጋ እዋን ሓይሊ ምክልኻልን ሓድሕዳዊ ኲናት ይካየድ ከምዘሎን ነቲ ሓድሕዳዊ ኩናት መን ኣበገሶ እውን ነንሓድሕዶም ይኸሱ ከም ዘለዉን ሚኒስትር ጉዳያት ጥዕና ከም ዝሓበሮ ክሳብ ሕጂ ብዝተፈጸመ ዓመጽ ልዕሊ 550 ሰባት ከምእተቐትሉን ካልኦት 4,900 ድማ ከም ዝቖሰሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።