ኣብታ ኣብ ሓድሕድ ኲናት ዘላ ሱዳን ስግኣት ከቢድ ጥሜት የንጸላልው
ኣብ ሱዳን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሕዳዊ ኲናት ዘስዕቦ ዘሎ ስእነት መግቢ ንምግጣም ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ማሕበር ይዓዩ ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፥ እቲ ኩናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ናይ ህዝቢ ስእነት መሰረታዊ ኣገልግት ኣዚዩ ናብ ዝኽፍአ ደረጃ የብል ብምህላዉ ናብ ብርቱዕ ጥሜት ከብጽሕ ከም ዝኽእል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ማሕበር ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተለዓዓለ ሓድሕዳዊ ኲናት ስዒቡ ዝሰፍሕ ዘሎ ጥምየትን ስእምነት መግብን ንምብዳህ ዳግማይ ተልእኾኡ የካይድ ምህላዉን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ተወሳኺ ዜጋታት እታ ሃገር ንጥሜት ሓደጋ ዘቃልዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ኣመላኺቱ፥ እቲ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ወተሃደራዊ ውድባት ዝተባርዐ ሓድሕዳዊ ውግእ እቲ ዓለም ሓቆፍ ትካል ሰለስተ ሰራሕተይናታቱ ከም እተቐትሉን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ኣብታ ሃገር ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳግማይ ተዋፊሩ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከም ዝርከብ ዜና ቫቲካን ናይቲ ትካል ጸብጻብ ጠቒሱ ይሕብር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓንቲ ነፋሪት ቀይሕ መስቀል ኣብ መባእታ ናይዚ ሰሙን ሸሞንተ ቶን ረድኤት ሒዛ ኣብ ፖርት ሱዳን ከም ኣተወትን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስታት እውን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ዜጋታቶም ምውጻእ ይቕጽሉ ምህላዎምን፥ እቲ ዕለት 15 ሚያዝያ ዝተባርዐ ሓድሕዳዊ ውግእ ተዋሳእቲ ተጻባእቲ ጉጅለ ወተሃደራት ናይቲ ምብራዕ ግጭት ተሓታቲ ክብሉ ነንሓድሕዶም ይወቃቐሱ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።