ድለ

ዓለም ሓቆፍ ውድብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፥ ፍርዲ ሞት ክብ ይብል ምህላዉ ይገልጽ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፥ ፍርዲ ሞት ክብ ይብል ምህላዉ ይገልጽ  (Copyright © Ken Piorkowski 2012)

ዓለም ሓቆፍ ውድብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፥ ፍርዲ ሞት ክብ ይብል ምህላዉ ይገልጽ

ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ወንጌል “መቕጻዕቲ ሞት ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይገሃስ ክብሪ ዘለዎ ሰብ ዝፍጸም መጥቓዕቲ ስለ ዝኾነ ተቐባልነት የብሉን” ቢላ ትምህር፡ ብደረጃ ዓለም ንኽሕከኽ ድማ ኣጽኒዓ ተዓዪ

ሓድሽ ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ካብ 2021 – 2022 ዓ.ም. ኣብተን ናይ ሞት ፍርዲ ዘተግብራ ሃገራት ዝፍጸም ቅትለት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኣመላኺቱ፥ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝፍጸም ናይ ሞት ፍርዲ ብወግዒ ሓበሬታ ስለ ዘይወጽእ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ዝተቐትሉ ቁጽሮም ካብቲ እቲ ጸብጻብ ዘዘርገሖ ቁጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእል እቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብ  መላእ 20 ሃገራት ኣብ 2022 ዓ.ም. ብድምር 883 ሰባት ከም ዝተቐትሉን እዚ ድማ ምስ 2021 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ53% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ኣሃዝ ዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ዝተቐትሉ ኣብ ዝምልከት ብወግዒ ጸብጻብ ዘንብራ እምበር እተን ጸብጻብ ዘየንብራ ሃገራት ዘጠቓልል ከም ዘይኮነን፡ ኣብ ሰሜን ኮርያን ቨትናም ሶሪያን ኣፍጋኒስታንን ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ዝተቐትሉ ከምዘለዉ ዝተረጋገጸ እውን እንተኾነ፡ ክንደይ ይኾኑ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ጸብጻብ ንምርካብ ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብተን ፍሉጥ ኣሃዝ ዘለወን ሃገራት፡ ኢራን ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ጥራይ ናይቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ካብ ዝተፈጸመ 883 መቕተልቲ እቲ 90% ዝሽፍና ከም ዝኾናን፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ግን ነታ ኣብ ዓመት በኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሞት ፍርዲ እተመሓላልፍ ቻይና ዘየጠቓልል እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ብቐንዱ ተሓተትቲ ከም ዝኾናን፥ ኢራን ኣብ 2022 ዓ.ም. 576 ቅትለት ከም ዝፈጸመትን ኣብ 2021 ዓ.ም. ድማ 314 ከም ዝነበሩን መብዛሕቲኦም ብቕትለት ዝተኸሱ፡ 255 ምስ ዕጸ ፋርስ ብዝተኣሳሰረ ገበናት፡ 21 ብዓመጽ፡ 18 ድማ “ሃይማኖት ምርካስ” ብዝተተሓሓዘ ገበን ሞት ተፈሪዶዎም ዝተቐትሉ ምዃኖም ኣቲ ጸብጻብ ከመላኽት እንከሎ . . .

ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ 2021 ዓ.ም. 65 ኣብ 2022 ዓ.ም. ድማ 196 ቅትለት ከም ኣተፈጸመን ካብ ዚኦም እቶም 85 ብገበን ግብረ ሽበራ፡ 57 ድማ ብገበን ዕጸ ፋርስ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ዝተቐትሉ ኮይኖም፡ ኣብ ካልኦት ቦታታት፥ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 21 ሰባት ከም እተቐትሉን ኣብ 2021 ዓ.ም. 83 ከም እተቐትሉን ይኹን እምበር ኣብታ ሃገር ቅትለት ብፍርዲ ሞት ብ71 ሚእታዊ ከም ዝነከየ እቲ ጸብጻብ ክሕብር እንከሎ፥ ኣብ ዒራቕ 11 ሰባት ኣብ ኩወይት 7 ኣብ ግዝኣት ፍልስጥኤም 5 ኣብ የመን 4 ኣብ ሶሪያ እውን ዝተፈጸመ ምዃኑ ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ ብዝሖም ግን ክፍለጥ ዝከኣል ከም ዘይኮነን፡ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ኣብ 2021 ዓ.ም. 18 ሰባት ኣብ 2022 ዓ.ም. 11 ሰባት ኣብ ሲንጋፑር ድማ 11 ሰባት ከም ኣተቐትሉ ኣብቲ ጸብጻ ተመልኪቱ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቤተ ክርስቲያን ኣንጻር ፍርዲ ሞት

ኣብ 2018 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ቁጽሪ 2267 ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ዝምልከት ዓንቀጽ ክለሳ ክግበረሉ ገይሮም፥ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐባልነት የብሉን ብዝብል ሓሳብ ንጹግ ከም እተባህለን፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንፍቕዲ 2267 ዝሕድስ ውሳኔ ቤተ ክርስቲያን፥

2267: ድሕሪ ፍትሓዊ ፍርዲ ብወገን ሕጋዊ ስልጣን ናይ ሞት ፍርዲ ምጥቓም ንነዊሕ እዋን ንኽብደት ዝተወስኑ ገበናት ግቡእ ምላሽን ንሓባራዊ ረብሓ ዝሕሉ ዋላ’ኳ ናይ ሞት ፍርዲ ጸንፈይና እንተኾነ ቅቡል ተባሂሉ ይውሰድ ነይሩ።

ሎሚ ግን ኣዚዩ ከብዲ ገበን ምስ ተፈጸመ እውን ክብሪ ናይቲ ሰብ ከምዘይጠፍእ ንቕሓት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ብተወሳኺ ብመንግስቲ ዝወርድ መቕጻዕታዊ እገዳታት ዘለዎ ኣገዳስነት ዝምልከት ሓድሽ ርድኢት ተቐላቒሉ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝኾነ ስርዕታት ማእሰርቲ ተመሂዙ ኣሎ፡ እዚ ድማ ግቡእ ሓለዋ ዜጋታት ዘረጋግጽ ኮይኑ ብተመሳሳሊ እቲ ገበነይና ርእሱ ከድሕን ዘለዎ ዕድል - ተኽእሎ ምእንቲ ከይግደብ እዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ወንጌል “መቕጻዕቲ ሞት ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይገሃስ ክብሪ ዘለዎ ሰብ ዝፍጸም መጥቓዕቲ ስለ ዝኾነ ተቐባልነት የብሉን” ቢላ ትምህር፡ ብደረጃ ዓለም ንኽሕከኽ ድማ ኣጽኒዓ ተዓዪ።”

ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

18 May 2023, 16:17