ዝኽሪ ምጽናት ዓሌት ኣርመንያ
ዕለት 24 ሚያዝያ መበል 108 ዓመት ዝኽሪ ምጽናት ዓሌት ኣርመንያ ተጸምቢሉ ከም ዝወዓለን ኣብታ መዓልቲ ዝኽሪ እቶም 1.5 ሚሊዮን ኣርመናውያን ብሃጸያዊ ስርዓት ኦቶማን ከም እተቐትሉን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣርመናውያን እውን ነታ ዕለት እቲኣ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣኽቢሮምዋ ከምዝወዓሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዝኽሪ ምጽናት ዓሌት ኣርመንያ ንምኽባር ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣርመናውያን ብየረቫን ዝሓለፈ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱን እቶም ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ዝተሳተፉ ነቶም ካብ 1915 – 1923 ዓ.ም. ብስርዓት ሃጸይ ኦታማን ዝተቐትሉ 1.5 ሚሊዮን ኣርመንያውን ዘኪሮም ከም ዝወዓሉን፥ ኣርመናውያን ብጥምየትን ብግድዱ ዕስክርናን ብመስጎግትን ኮነ ተባሂሉ ዒላማ ስርሒት ምጽናት ኮይኖም ከም ዝነበሩን፡ ቱርኪ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ኣርመናውያን ከም እተቐትሉ እትኣምነሉ ጉዳይ እኳ እንተኾነ ምጽናት ዓሌት ዝብል ቃል ግን ከም እትነጽጎን እቲ ዝወሃብ ናይ ዝተቐትሉ ቁጽሪ ዝተጋነነ እዩ ከም እትብልን ብፍላይ ስርዓት ሃጸይ ኦታማን ናብ ምዝሕታል ገጹ ኣብ ዘብሉሉ ዝነበረ እዋን ዝተፈጥረ በርገሳዊ ስርዓት ኣልቦነት ዘስዓቦ መቕተልቲ እዩ ቢላ ከም እትገልጾ ይፍለጥ።
ዝኽሪ ምጽናት ዓሌት ኣርመን ዓመት መጸ ዝጽምበል ኮይኑ ቅድሚ ክልተ ዓመት ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን፥ ነቲ ብሃጸያዊ ግዝኣት ኦታማን ኣብ ልዕሊ ኣርመናውያን ዝተፈጸመ ጃማላዊ ቅትለት ‘ምጽናት ዓሌት’ ዝብል ኣፍልጦ ከም ዝሃቡሉን እዚ ኣፍልጦ ርእሰ ብሔር ባይደን ናይ ኣንካራ መግንስቲ ኣቖጢዕዎ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ኣተንስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግሪኽ ኒኮስ ደንዲያስ ብምኽንያት ዝኽሪ ግዳያት ምንጽናት ዓሌት ኣርመንያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዝኽሪ ግዳያት ምጽናዕ ዓሌት ኣርመንያ ምዕቃብ ግዴታ ኩሉ ምዃኑ ገሊጾም፥ “ኣብዛ መዓልቲ ዝኽሪ እዚኣ ሓሳብና ምስቶም ኣብ ግሪኽን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኣርመናውያን እዩ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።