ድለ

ድፍኢት ንመስርሕ ሰላም ኣብ የመን ድፍኢት ንመስርሕ ሰላም ኣብ የመን  (ANSA)

ድፍኢት ንመስርሕ ሰላም ኣብ የመን

“ብዘስካክሕን ዝተረሰዐን ኲናት ንነዊሕ ዓመታት ዝቖሰለት፡ ብዙሕ ሞት ዘስዓበን ሕጂ እውን ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ሕጻናት ዝሳቐዩላ ዘላ ሃገረ የመን”

ኣብ የመን ንመስርሕ ሰላም ናይ ተስፋ ጩራ ድፍኢት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ግጭትን ኣብ ጽንኩር ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣትርከብ ሃገረ የመን ከይትርሳዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብዘስካክሕን ዝተረሰዐን ኲናት ንነዊሕ ዓመታት ዝቖሰለት፡ ብዙሕ ሞት ዘስዓበን ሕጂ እውን ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ሕጻናት ዝሳቐዩላ ዘላ ሃገረ የመን” ክጽለይ፡ ነቲ ብኲናት ዝተሃስየ ህዝቢ ኣብቲ ጽንኩርን ጽሉምን ኩነታት ናይ ተስፋ ጩራ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 10 ሚያዝያ ኣብ የመን ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ሃንስ ግሩንድበርግ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ናይ ተስፋ ጩራ ሰላም ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ነቲ ግጭት ንምውጋድ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቱብ ዕድል ከም ዘይተራእየ ክገልጹ እንከለዉ፡ ይኹን እምበር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ዘለዓዓሎ ጻዕሪ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራታት ክጎድል ከም ዝገበረን እቲ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዘብቅዐ እውን እንተኾነ፡ እቲ ውግእ ድሩት ኮይኑ ዘሎ ይመስል” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ የመን ዘሎ ቅልውላው ብዓቢ ስክፍታ ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑን እታ ሃገር ብኢራን ዝድገፍ ሰራዊት ሁቲ ንሓያሎ ከተማታት የመን ክቆጻጸር እንከሎ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ካብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ካብ ዘውጽኣሉ መወዳታ 2014 ዓ.ም. ንደሓር እታ ሃገር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ከም ዘላን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ማእለያ ዘይብሎም ሕጻናትን ኣባይቲ ስድራን ንስእነት መግቢ ዝስተይ ጽሩይ ማይን ቀረብ ሕክምናን ኣቃሊዑ ከምዘሎን ክሕብር እንከሎ፡ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ሓልዮ ህጻናት ማሕበር ኣብ የመን 3.2 ሚሊዮን ህጻናት ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ከም ዝኾኑ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

20 Apr 2023, 16:27