ብምኽንያት ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ወግእ ወጻእተይናታት ናብ ሃገሮም የግዕዙ
ኣብ ሱዳን ብምኽንያት እቲ ዝካየድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ኲናት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓውሲ ሰራዊትን ዝተራእየ መጠነይና ህድኣት ተጠቂመን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታትን የውጽኣ ምህላወን ዜና ቫቲካን ሮይተርስ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዕለት 15 ሚያዝያ ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ምሉእ ኣጽዋር ዝውንን ሓውሲ ሓይሊ ምክልኻል ንህጹጽ ደገፍ ዝተባርዐ ሃንደበታዊ ኲናት፡ ናይ ብዙሓት ህይወት ንሞትን ከምኡ እውን ዓመጽን ሰብእዊ ቅልውላውን የስዕብ ምህላዉን፡ ድሮ እቲ ውግእ ካብ ዝባራዕ 427 ሰባት ከም ዝሞቱ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ክሕብራ እንከለዋ፡ ካልኦት እውን እቲ ኲናት እናሰፈሐ ይኸይድ ኣብ ዘለሉ እዋን ንህይወቶም ዓቢይ ስግኣት ከም ዝኾኖም ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ወጻኢ ሃገራት ዜጋታትን ካብ ሱዳን የውጽኣ
ሃገራት ወሽመጥን ራሻን ሓዊስካ ብዙሓት ሃገራት ካብ ዕለት 24 ሚያዝያ ጀሚረን ዜጋታተን ከውጽኣ ይጽዕራ ከም ዘለዋን ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ይስደዱ ምህላዎምን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ናይ ወጻኢሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ስድራ ቤቶምን ሰራሕተይናታት ማሕበራት ረድኤትን ተመሃሮን ኮታ መላእ ህዝቢ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ኲናት ይርከቡ ምህላዉን ካብ ዕለት 24 ሚያዝያ ጀሚሩ እውን ኣገልግሎት ውስጠ መርበብ ከም እተቛረጸን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ካርቱም ደብዳብ ከካይዳ ከም ዝጀመራን እቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ንምቅጽጻር ከቢድ ምልውዋጥ ቶኽሲ ይካድ ከም ዘሎን ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዘቋረጸን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ትካላት ሰራሕተይናታት ዒላማ ኮይኖም ከም ዘለዉን ብውሕዱ ሓሙሽተ ናይ ግብረ ሰናይ ሰራሕተይንታት ከም እተቐትሉ የመላኽት።
ዋላ እኳ ግዚያዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስስምምዕ ዘሎ እንተመሰለ ውግእ ይቕጽል!
እቲ ግጭት ዘስዕቦ ዘሎ ሰፊሕ ኵለ መዳያዊ መጉዳእቲ ዝግ ንምባል ናይ ዜጋታት ድሕንነት ንምውሓስ ዝግደሳ ሃገራት ቀጻሊ ጸቕጢ እኳ ይገብራ እንተሃለዋ፡ ክልቲኦም ናይቲ ውግእ ተዋሳእቲ ነቲ ዝድለ ግዚያዊ ዕርቂ ዝተቐበሉ ከም ዘይመስሉ ዘረጋግጽ ኩነት እዩ ዝርአ ዘሎ፡ እቲ እቶም ሓውሲ ሰራዊት ሓይልታት ህጹጽ እዋን ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብሓባር ምስ መደበይና ሰራዊት ሱዳን ከም እተሳተፈን ነቲ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ዑመር ኣልባሽር ካብ ስልጣን ብምእላይ ነዞም ክልተ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ሓደ ምጥርናፍን በርገሳዊ መግንስቲ ምቛምን ኣብ ዝብል ዝክረ ነገር ከይተሰማምዑ ከም ዝተረፉን ካብቲ እዋን ጀሚሩ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ስልጣን ንምሓዝ ዝተበገሰ ኲናት ኣዚዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስግኣት ንጸጥታ ዞባ
እቲ ንሕንሕ ናይቶም ክልተ ሓይልታት ንእደ ኣታውንተ ሓይልታት ደገ መስሕብ ክኸውን ከም ዝኽእልን እዚ እውን ብቐጥታ ንናይቲ ከባቢ ዞባ ጸጥታ ስግኣት ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ዝተባርዐ ኲናት መብዛሕቲኡ መውሃቢ ኣገልግሎት ቀረባቱ ኩሉ ክጎድል ይገብር ምህላዉን ነቶም ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ትካላት ግብረ ሰናይ ሰራትሕተይናታት ደሕንነት ስግኣት ካብ ምዃን ሓሊፉ ድሮ እቲ ንኣስታት ሲሶ ህዝቢ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ዘቕርብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መርሃ ግብሪ መግቢ ዓለም ሰለስተ ሰራሕተይናታት ዝተፈጸመ መቕተልቲ እቲ ቲካል ዘካይዶ ስርሒት ንኸቋርጽ ከም ዘገደዶ ዜና ቫቲካን ናይቲ ትካል መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።