ድለ

2023.04.26 መራሕቲ ሃይማኖት፥ ዘለኣለማውነት - ድሕሪኡኸ? 2023.04.26 መራሕቲ ሃይማኖት፥ ዘለኣለማውነት - ድሕሪኡኸ? 

መራሕቲ ሃይማኖት፥ ዘለኣለማውነት - ድሕሪኡኸ?

ድሕሪ ሽበራዊ መጥቃዕት ዕለት 11 መስከረም ዝቖመ ናይ በርሚንግሃን ናይ ውስጠ እምነታት መራሕቲ ውስጠ መርበብ

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ዛዕባ ምድራውን ድሕሪ ሞትን ህይወት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ዓውደ ዘተ ከም ዘካየዱን ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ናይ ዝተፈላለያ ሽዱሽተ ሃይማኖትታ ልምድን ባህልን ብምቕራብ ከም ዝዘተዩን ናይቲ ዝተኻየደ ዘተ ሕመረት፥ ዘልኣለማውነት - ቀጺሉኸ? ዝብል ሕቶ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ካብ ሃይማኖት ኣይሁድን ቡድሃን ሂንዱን ሲክን ምስልምናን ክርስትናን ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖታት መደረ ከም ዘስምዑን ኣብቲ ዓውደ ዘተ ዝተሳተፉ ናይ በርሚንግሃን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ በርናርድ ሎንግለይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

መራሕቲ ሃይማኖት፥ ዘለኣለማውነት - ድሕሪኡ’ኸ?
መራሕቲ ሃይማኖት፥ ዘለኣለማውነት - ድሕሪኡ’ኸ?

ዘተ ውስጠ-ሃይማኖታት

ድሕሪ ሽበራዊ መጥቃዕት ዕለት 11 መስከረም ዝቖመ ናይ በርሚንግሃን ናይ ውስጠ እምነታት መራሕቲ ውስጠ መርበብ፡ ክሳብ ሎሚ ንጡፍ ኮይኑ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ረቛሒ መሰረት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሌላ ክህሉን ብዛዕባ ካብቲ ናትካ ዝተፈልየ ሃይማኖት ፍልጠት ብምርካብ ሃይማኖታት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ሕቶታት ዝህብኦ መልሲ ዘራኽበንን ዝፈላልየንን ኣስተብሂልካ ነዚ ዝተፈላለየ መልስታት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከም መዛተይ ብምቕራብ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ግብርኣውን መዳያቱ ብምልላይ ሃይማኖት ናይ ሰላምን ሰናይን እምበር ናይ ግጭት መጋበርያ ከም ዘይኮነ ዝቃላሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ እዚ እውን ዕላማ ናይቲ ዕለት 27 ሚያዝያ ዝተካየደ ዓውደ ዘተን ዕላማ ናይቲ ናይ በርሚንግሃን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ውስጠ መርበብ ኣገልግሎትን ምዃኑ የብርሁ።

ምስክርነት ውስጠ - ሃይማኖታት

ተወሳኺ ረብሓ ናይቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ፥ ኣቃልቦ ናይቶም ኢኣማንያን ሰባት ዝስሕብ መገዲ ምዃኑ ገሊጾም፥ “እምነት ዘይብሎም ሰባት ኣባላት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ክሰርሑ ድሌት ከም ዘለዎም ምስ ዝርእዩን እቲ ናይ ሓባር ክብርታት ብቓልን ሕይወትን ክምስክሩ እንከለዉን፥ ተገዳስነቶም ይበራበር፡ . . . እምነት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ክንበርን ክምስከርን ኣለዎ።”

ኣስተንትኖ

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ፥ “ሃይማኖታት ብዛዕባ ዘለኣለማውነት ዘለወን ፍልጠትን ተኣምኖተንን ነቲ ሕጃዊ ህይወት ብኸመይ ክንብር ከምዘለዎ ዝሕግዝን ዝመርሕን መገዲ እዩ . . . ኢየሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ትምህርቲ፥ ኣምላኽ ድሮ ኣብ መንጎና ምዃኑ ዘረጋግጽን በዚ መሰረት ድማ ንሓቀይና ጽባቔ ህይወት ክፉታት ብምዃን ኣብ መዓልታዊ ሕይወት መንግስቲ ኣምላኽ ምንባር ይሕግዝ፡ ሰላም ፍትሒ ማዕርነት ኣብ ሕጃዊ ሕይወት መግለጺ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

27 Apr 2023, 16:16