ምስሪ ኣብ ሶሪያ ምርግጋእ ክህሉ ጻውዒት ተቕርብ
ምስሪ ምስ ውሳኔታት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምስምማዕ፡ ኣብ ሶሪያ ሰፊሕ ፖለቲካዊ መዕለቢ ንምርካብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምሉእ ድጋፍ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስሪ ሳመህ ሱክሪ ኣብ ሶርያ ምርግጋእ ክምለስ ኩሉ ዓይነት ግብረ ሽበራ ደው ክብል ኣብ ሶርያ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ዓለም ጊይር ፐደርሰን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስሪ፡ ሱክሪ ኣብ ሶርያ ርግኣት ክምለስን ንዅሉ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግብረ ሽበራ መወዳእታ ክግበረሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ ነዚ ጻውዒት እዚ ዘቕረቡ ምስ ፍሉይ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶሪያ ጊይር ፐደርሰን ብስልኪ ኣብ ዘካየድው ክሌኣዊ ርክብ ከም ዝኾነን፡ ምስሪ ምስ ውሳኔታት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምስምማዕ፡ ኣብ ሶሪያ ሰፊሕ ፖለቲካዊ መዕለቢ ንምርካብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምሉእ ድጋፍ ከም ዘለዋ ገሊጾም፥ ብዛዕባ እቲ ኣዚዩ ዘሰክፍ ህዝቢ ሶርያ ንስቓይ ዝዳርግ ዘሎ ኵለ መደያዊ ቅልውላው ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሶሪያ ናብ ጎቦታት ጎላን ዘቕነዐ ድሕሪ ዝፈነወቶ ናይ ሮኬት መጥቓዕቲ ዘቖጠዓ እስራኤል ዝሓለፈ ሰንበት ብናይ ውግእ ነፈርቲ ዝተሰነየ መጥቓዕታዊ ግብረ መልሲ ከም ዝፈጸመት ዜና ቫቲካን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
11 Apr 2023, 15:05