ድለ

ግዚያዊ ውጽኢት ህዝባዊ ምርጫ ናይጀሪያ ግዚያዊ ውጽኢት ህዝባዊ ምርጫ ናይጀሪያ  (ANSA)

ግዚያዊ ውጽኢት ህዝባዊ ምርጫ ናይጀሪያ

ዝምረጹ ንዘይውሕስነትን ቁጠባዊ ምዝባዕን ኣብታ ሃገር እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ኣዚዩ ሰፊሕ ዝኾነ ምግባረ ብልሽውናን ክምክቱ ዓቢይ ዕዮ ዝጽበዮም ምዃኑ

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ካብተን 36 ግዝኣታት ናይተን 25 ቆጸራ ድምጺ ከም እተጠናቐቐን፡ ግዚያዊ ጸብጻብ ውጽኢት ከም ዝሕብሮ ድማ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ይመርሕ ከም ዘሎ ዘርኢ ኮይኑ፡ ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ግን ምትላላት ኣሎ ዝብል ስክፍታኦም ገሊጾም ካብ መስርሖ ቆጸራ ድምጺ ከም ዝወጹ ዜና ቫቲካን ካብ ናይጀሪያ ዝፍነዉ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ናይጀሪያ ተቖጻጻሪ ሽማግለ ውጽኢት ምርጫ ከም ዝሓበሮ እተን ኵለን ገስገጋስያን ናይ ፖለቲካ ውድባት ዝጥርንፍ ሓይሊ ዝመርሑ ወዲ 70 ዓመት ቦላ ቲኑቡ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝተቖጽረ ድምጺ ብትኽኽል 36 ሚእታዊ ድምጺ ብምርካብ ይመርሑ ከምዘለዉን ብቕሩብ ድሕሪት ብምዃን ድማ ናይ ቀንዲ ተቓዋሚ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዝመርሑ ኣቲኩ ኣቡበከር ይስዕቡ ምህላዎም ክንገር እንከሎ ኣብ ግዝኣት ሌጎስ ኣብላጺ ድምጺ ዝረኸቡ ድማ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ዕዮ መራሒ ኣብታ ዝዓበየት ደሞክራሲያዊት ናይጀርያ ዘሎ ምሕደራ ተስፋ ናይ ዝቖረጹ መንእሰያትን ተመሃሮን ምሁራትን ብብዝሒ ድምጺ ዝረኸቡ  ፒተር ኦቢ ከም ዝኾኑን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቶም ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዑ ንኽትክኡ ዝምረጹ ንዘይውሕስነትን ቁጠባዊ ምዝባዕን ኣብታ ሃገር እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ኣዚዩ ሰፊሕ ዝኾነ ምግባረ ብልሽውናን ክምክቱ ዓቢይ ዕዮ ዝጽበዮም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ናይጀሪያ ምንጭታት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

01 March 2023, 15:56