ድለ

Shooter kills 6 at Nashville school in targeted attack Shooter kills 6 at Nashville school in targeted attack  (AFP or licensors)

ኣብ ናሽቪል እትርከብ ቤተ ክርስቲያን፥ ግዳያት ጃምላዊ ቅትለት ዘስዓቦ መሪር ሓዘን

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣዚዩ ሰፊሕ ዝኾነ ቀጻሊ ጃምላዊ ቅትለት ይፍጸም ምህላዉ

ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ግዝኣት ተነሲ ናይ ከተማ ናሽቪለ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ማርክ ስፓልዲንግ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ፕረስቢተርያን ሓንቲ ዜጋ ብዝፈጸመቶ ናይ ቶኽሲ መጥቓዕቲ ሰለስተ ሕጻናት ሰለስተ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሰራሕተይናታት ከም ዝቐተለትን እዚ እውን መሪር ሓዘን ከም ዘስዓበን ኵሉ ምእንቲ እቶም ዝተቐትሉን ኣባይቲ ስድራኦምን ክጽሊ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰኑይ ዕለት 27 መጋቢት ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ግዝኣት ተነሲ ከተማ ናሽቪል ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብረስቢተርያን ብሓንቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነበር ተመሃሪት ጓል 28 ዓመት ኣውድረይ ሃለ ብዝተኮሰቶ ጠያይት ሰለስተ ህጻናትን ሰለስተ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሰራሕተይናታት ከም ዝቐተለትን ናይታ ከተማ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝሕብሮ እውን ሃለ ሰለስተ ሸጓጉጥ ሒዛ ከም ዝነበረትን ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብመኪና ብምኻድ ነቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ማዕጾ ብዝተኮሰቶ ጥይት ከፊታ  ናብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርቲ ብምእታው ድሕሪ ዝፍፈጸመቶ ግብረ ቅትለት ምስ ሓይሊ ጸጥታ ድሕሪ ዝተፈጸመቶ ምልውዋጥ ቶኽሲ ከም እተቐትለት ዜና ቫቲካን ካብታ ከተማ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ናይ ከተማ ናሽቪለ ጳጳስ ማርክ ስፓልዲንግ

ናይታ ከተማ ጳጳስ ድሕሪ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም፡ ንግዳያትን ንኣባይቲ ስድራ ግዳያት ክጽለ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቶም ዝተቐትሉ እግዚኣብሔር ኣብ ቤቱ ክቕበሎም ጸሎቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፥ ንማሕበረሰብ ፕረስቢተራዊ ኪዳን ንጸሊ እንክብሉ ሓቲቶም፥ ኣብ ሰበኻ ናሽቪል ምእንቲ ዝኽሪ እቶም ዝተቐትሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዓረገ ኣፍሊጡ።

ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጻውዒት ስጉምትታት ምቁጽጻር ሸጉጥ

እቲ ኣብ ናሽቪል ዘጋጠመ መዓት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣዚዩ ሰፊሕ ዝኾነ ቀጻሊ ጃምላዊ ቅትለት ይፍጸም ምህላዉ ዘርእን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ከምዚ ዓይነት ዘሰንብድን ዘሕዝንን ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ዝፍጸመሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ንኣሽቱ ናይ ኢድ ሽጉጥ ምውናን ዝብል ዝፈቅድ ሕጊ ሕደሳ ክግበረሉ፡ ብፍላይ ከምዚ ዓይነት ተደጋጋሚ ቅትለት ከይፍጸም ዝሓትት ክትዕ ዘለዓዕል ከም ዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።

ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን “ነቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር” ከብቅዕን እገዳ ክግበረሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ጻውዒት ናቶም ገይሮም፡ ነቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ “ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ንኹሉ መዳያት ናይቲ ቅልውላው ዝምልከት እንኮላይ ጥዕና ኣእምሮ ኩነታት ኣባይቲ ስድራን ንህይወት ዋጋ ዝህብ፥ ንህይወት ሰብኣዊ ፍጥረት ንሓደጋ ዘቃልዕ ምውናን ኣጻዋር ቁጽጽር ክግበረሉን ንህይወት ብዘበረኸ ውሳኔ መልሲ ክህብሉ ጻውዒት ነቕርብ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ህዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፊት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ውግእ ኮኒኖም፥ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሰባትን ሕብረተሰብ ክትገልጾ ዘጸግም ስቓይ ከብጽሕ ዝኽእል ኣጽዋር ብውልቀ ሰባት ክውነን ስለምንታይ እዩ ዝፍቀድ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ባዕሎም ኣብ መደረኦም “ኩላትና ከም እንፈልጦ ብንግድ ኣጽዋር ሃብቲ ገንዘብ ምእካብ ጥራይ ዝብል፡ ብደም ዝጨቀወ ሃብቲ እዩ፥ መብዛሕቲኡ ግዜ ብደም ንጹሓን ዝጨቀወ” እንክብሉ መልሲ ከም ዝሃብሉ ብጹዓን ጳጳሳት ህቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መልእኽቶም የዘኻኽሩ።

29 March 2023, 16:01