ድለ

ሩሲያ ምስ ሕ.መ. ኣመሪካ ዝገበረቶ መሰረታዊ ውዕል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ተደስክል ሩሲያ ምስ ሕ.መ. ኣመሪካ ዝገበረቶ መሰረታዊ ውዕል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ተደስክል  (Gerasimov)

ሩሲያ ምስ ሕ.መ. ኣመሪካ ዝገበረቶ መሰረታዊ ውዕል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ተደስክል

ቭላድሚር ፑቲን፥ “ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝኣልመኦ ውጥን ስዕረት ምኽንያታዊ ንምግባር ኣብ ኑክለሲያዊ መሳለጥያታት ኢዳ ከትእቱ ስለ ዝደልያ ሃገሮም ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው . . .

ውድብ ወተሃደራው ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፥ ናይ ፈደራላዊት ሩስያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ሃገሮም ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝገበረቶ መሰረታዊ ውዕል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘደስከለቶ ድሕሪ ምግላጾም፡ ኩነታት ዓለም ኣዚዩ ናብ ሓደጋ ዝተቓልዔ ምዃኑ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ፈደራላዊት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዕለት 21 ለካቲት ኣብ ዘስምዕዎ ዓመታዊ መደረ ኩነታት ሃገሮም ተጠቒሞም፡ ሩስያ ኣብ ሓድሽ ውዕል ብጋሴ ከም ዘይትሳተፍን እቲ ቅድም ክብል ኣብ 2010 ደሓር ቀጺሉ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝተሓደሰ ስምምዕ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውዕል ኣብ ዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ገዛእ ርእሳ ተደስክል ከም ዝበሉን፥ “ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝኣልመኦ ውጥን ስዕረት ምኽንያታዊ ንምግባር ኣብ ኑክለሲያዊ መሳለጥያታት ኢዳ ከትእቱ ስለ ዝደልያ ሃገሮም ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ዝሕደስ ውዕል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ገዛእ ርእሳ ተደስክል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ውድብ ወተሃደራው ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ፥ “ዝያዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ውሑድ ምቁጽጻር ውግእ ኣጽዋርን ንዓለም ኣዚዩ ሓደገይና ይገብራ” እንክብሉ ነቲ ሩሲያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ከም ዝነቐፉ ኣፍሊጡ።

ምዕራባውያን ገበነይናታት ዝብል ክሲ

ርእሰ ብሔር ፑቲን ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንኣባላት ሓጋጊ ኣካላትን መራሕትን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ብዙሓት ሩስያውያን ዝነብሩሉ ዞባ ዝፈጸም መጥቓዕቲ ይድግፋ እንክብሉ ወቒሶም፥ እቲ ዝተፈጥረ ግጭት ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዝክእል ዝሕብር ኣብ 2021 ዓ.ም. ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከምኡ እውን ናብ ውድብ ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ኣመሓላሊፍና ኣክንዲ ግቡእ መልሲ ክሕደት እዮም ዘርኣዩና” ከም ዝበሉን ናይቲ ኩነታ ገበነይናታት ምዕራባውያን ምዃኑ ደጊመ ክሕብር እፈቱ” ስለዚህ “ደው ንኽንብል ድማ ሓይሊ ንጥቀም ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና  ቫቲካን እንከመላኽት፥

ባይደን ኣብ ዩክረይን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ይክረይን ምብጻሕ ዘካየዱ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን፥ ሩሲያ እቲ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ወራር ሩሲያ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተካይዶ ዘላ ሰፊሕ ወራር እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ዕላማ ሩሲያ ንዩክረይን ካብ ስእሊ ዓለም ንምድምሳስ እዩ ነይሩ፡ ውጥን ኲናት ፑቲን ይፈሽል ኣሎ። ወተሃደራት ሩሲያ ናይቲ ሒዘምዎ ዝነበረ ፍርቂ ድሮ ስኢኖም ኣለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ሩሲያ ይስደዱ ኣለዉ” ቢሎም ሃገሮም “ነታ ብኲናት ኣዚያ ዝተሃስየት ዩክረይን ካልእ ፍርቂ ቢሊዮን ዶላርን ወተሃደራው ደገፍን” ከተቕርብ እያ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ባይደን እቲ ምብጻሕ ዘካየድዎ ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ባይታ ዝገበረ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

22 February 2023, 16:01