ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሽርክነት ኢራንን ሩሲያን ትኸስስ
ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ንርክባት ሩሲያን ኢራንን ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ናብ ምሉእ ብምሉእ ሽርክነት ገጹ ይምዕብል ኣሎ ቢላ፡ እዚ ሽርክነት ንማሕበረሰብ ዓለም ስግኣት እዩ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆን ከርቢ፡ ኢራን ንሩሲያ ብወተሃደራዊ ደረጃ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደገፍ ትህብ ኣላ ቢሎም፡ ተሄራንን ሞስኮን ሓባራዊ ቀታሊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምፍራይ ይሓስባ ከም ዘለዋ ዘርኢ መርትዖታት ዋሽንግተን ትርኢ ምህላዋ ገሊጾም፡ እዚ ስጉምቲ እዚ ንጎረባብቲ ሃገራት ኢራንን ማሕበረሰብ ዓለምን ዓቢይ ሓደጋ ዝፈጥር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዩክሬይን ድሮ ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ ሩሲያ ካብ ኢራን ቀታሊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ትወሃብ ኣላ ክትብል ከሲሳ ከም ዝነበረት ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ ኢራን ነቲ ኣብ ልዕለኣ ዝቐረበ ክሲ ዝተጸገቶ እኳ እንተኾ፡ነ ርእሰ ብሔር ዩክረይን ግን ሓይሊ ምክልኻል ሃገሮም ኣብ መዓልቲ ኣስታት 10 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን የውድቅ ኣሎ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ንዓለም ሓቆፍ ደሕንነት ስግኣት
ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ ክልቨርሊ ኢራን ሓንቲ ካብተን ምስ ሩሲያ ቀንዲ ወተሃደራዊ ሽርክነት ዘለዋ ሃገር ኮይና ከምዘላን፡ እቲ ክሌኣዊ ዝምድና ንዓለም ሓቆፍ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ እንክብሉ፡ ቅድም ክብል እውን ናይ ኣውስትራሊያ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ንሩሲያ እተቕርቦ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣቢላ ኣብ ዓለም ጸጥታ ኣብ ምዝራግ ንእትጻወቶ ተራ መርትዖ ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹን፡ ናይ ሰሜን ኣትላንትክ ሃገራት ቃል ኪዳን ዋና ጸሓፊ ስቶልተበርግ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ኣብ መንጎ ሩሲያን ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራት ኵለ መዳያዊ ግጭት ክኸውን ከምዝኽእል ስክፍታኦም ገሊጾም፥ እዚ እውን ናብ ምሉእ ኲናት ክድርኽ ከም ዝክእል ዘጠራጥር ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።