መንግስቲ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ከይሰርሓ ይእግድ
ኣብ ኣፍጋኒስታን መንግስቲ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘይመንግታዊ ትካላት ከይሰርሓ ዝኽልክል ዘመሓላለፎ ውሳነ ኣብ ዝትግበረሉ ዘሎ እዋን ዓበይቲ ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣገልግሎት ምሃብ ከቋርጻ ይዳርገን ምህላዉ ይንገር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ኣፍጋኒስታ መንግስቲ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካላት ከይሰርሕ ዝእግድ ዘመሓላለፎ ውሳነ ስዒቡ ኣርባዕተ ኣህጉራውያን ጉጅለታት ረድኤት ኣብ ኣፍጋንሲታ ዘሳልጥኦ ዕዮ ከም ዘቋረጻን፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጣሊባን ዝወሰዶ ውሳነ መሰረታዊ መሰላት ዝግህስ እዩ ክብል መግለጺ ከም ዝሃበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምክፋል ሓገዝ ቀንደይና ተዋሰእቲ እያተን
ጣሊባን ድሕሪ ዘመሓላለፎ እገዳ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ሕይወት ሕጻናት ኣድሕን ቤት ምኽሪ ስደተይናታት ኖርወይን ከምኡ እውን ምክንኻል እተሰምየ ሰብኣዊ ማሕበር፥ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተዋፈራሉ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ እንተድኣ ዘይተረኽባ ንዝተጸገሙ ሰባት ብኣድማዒ መገዲ ሓገዝ ምቕራብ ከጸግም ምዃኑ እንክሕብሩ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዚዩ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እተን ማሕበራት ረድኤት ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን መግባውን መደባት ተዋፊረን ከገልግላ ከም ዝጸንሓ ገሊጹ፡ ቤት ምኽሪ ስደተይናታት ኖርወይ ጥራሕ ንበይኑ ኣብ ኣፍጋኒስታ ኣብ ዘካይዶ መደብ ኣገልግሎት 468 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘዋፈረ ናይቲ ማሕበር ምግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ውሳነ መግንስቲ ጣሊባን
እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለያ ዘይመግንስታዊ ትካላት ተቐጺረን ኣብ ዘካይድኦ ዕዮ ከም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሕጊ ሻሪዓ ክጥሕሳ ዝድርኸን ምዃኑ ብፍላይ መሸፈኒ ገጽ ብትኽክል ክንኽጥቀማ ከም ጸገም ዝፈጥረልንን ሻሪዓ ንኸየኽብራን ይገብረን ኣሎ እንክብሉ ዘመሓላለፎ ውሳነ ምዃኑ መንግስቲ ጣሊባን ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ ኣብሪሁ፥ ደቂ ኣንስትዮ ሒጃብ ብዘይ ምግባረን ሕጊ ሻሪዓ ይጥሕሳ ኣለዋ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኤንቶንዮ ብሊንከን፥ “እቲ ናይ ጣሊባን ውሳነ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ብዙሓት ሕይወት ዘድሕን ዘሎ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝዝርግ እዩ” እንክብሉ ስክፍታኦም ከም ዝገለጺ ኣፍሊጡ።