ድለ

ውድብ ኣድሕን ሕጻናት፥ ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ቁጽሪ ሕማም ሽሮኽ ብውልጡፍ ክብ ይብል ኣሎ ውድብ ኣድሕን ሕጻናት፥ ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ቁጽሪ ሕማም ሽሮኽ ብውልጡፍ ክብ ይብል ኣሎ 

ውድብ ኣድሕን ሕጻናት፥ ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ቁጽሪ ሕማም ሽሮኽ ብውልጡፍ ክብ ይብል ኣሎ

ኣብ መንጎ ሰራዊት ኮንጎን ዕጡቓት ጉጅለታት ዝነበረ ግጭት ኣብ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዳግማይ ከም እተባረዐን ካብ ሽዑኡ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኪቩ ልዕሊ 450 ሺሕ ሰባት ካብ ዓድታቶም ከም እተመዛበሉን

ውድብ ኣድሕን ህጻናት፥ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ሰራዊትን ዕጡቓት  ጉጅለታት ዘሎ ግጭት ሓደገይና ምዓባለ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ እዋን፥ ብዝሒ ህሙማን ሽሮኽ ክብ ይብል ምህላዉን ካብእቶም እውን እቶም ሰለስተ ርብዒ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምዃኖም ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውድብ ኣድሕን ሕጻናት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ በቲ ኣዚዩ እናበርትዐ ብዝኸይ ዘሎ ሕድሕዳዊ ግጭት ምኽንያት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዝበዝሑ ኣብ ዘአንግድ ዞባ ንዪራጎንጎ ቁጽሪ ሕሙማት ሽሮኽ ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ሰብኣዊ ትካል ኣስዒቡ “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት 438 ተመዛበልቲ ዝርከብዎም ብጠቕላል ልዕሊ 973 ብሕማም ሽሮኽ ከም እተለኽፉን ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ዘይሕጋዊ መዓስክራት ዝነብሩ ወይ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያናትን ካልኦት ቦታታት ዝተዓቖቡ እያቶም” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግጭትን ምዝብልናን

ኣብ መንጎ ሰራዊት ኮንጎን ዕጡቓት ጉጅለታት ዝነበረ ግጭት ኣብ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዳግማይ ከም እተባረዐን ካብ ሽዑኡ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኪቩ ልዕሊ 450 ሺሕ ሰባት ካብ ዓድታቶም ከም እተመዛበሉን ልዕሊ 240 ሺሕ ድማ ኣብ ኒራጎንጎ ተዓቝቦም ከም ዘለዉ ውድብ ኣድሕን ሕጻናት ሓቢሩ፥ “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ዝተራእየ ግጭት እናገደደን ነቲ ናብቲ ከባቢ ንምብጻሕ ዘገልግል መገዲ ዝበተኸ ወቕቲ ዝናብ ብዝፈጥሮ ዘሎ ጸገም ምኽንያት ጸረ ሽሮኽ ሕማም ኣሚቱ ዝካየድ ቃልሲ ኣዚዩ ጽንኩር ክገብሮ እዩ” ዝብል ግምት እውን ከም ዘለዎ ሓቢሩ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዛዕባ ሕጻናት ዝምልከት ስክፍታ

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ውድብ ሕጻናት ኣድሕን ኣመሓዳሪ ኣማቪ ኣክፓማግቦ፥ “ሓደ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ናይዚ ለበዳ ጒዳይ እዚ ብብዝሒ ንሕጻናት ዘጥቕዕ ምዃኑ እዩ። ካብ ሰብ መዚ ጥዕና ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ልዕሊ 77 ሚእታዊ ካብቶም ዝተመዝገቡ ሕሙማን ሽሮኽ ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ከም ዝኾኑን ኣብዚ እዋን እዚ 119 ሕጻናት ኣብ መእለዪ ህሙማን ተዓቝቦም ወይ ኣብ ኣሃዱታት ሕክምና ሽሮኽ ዝርከቡ እዮም” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብብዝሒ ኣገደስቲ ኣገልግሎት ከም መግቢ ጽሩይ ማይ መዕቆብን መእለዪ ጥዕና ኣእምሮን ስነ ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ኣዚዩ ዘድልዮም ብዝሒ ህጻናት ካብ ዝርከብዋ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ኮይና ከም ዘላን ይኹን እምበር ብመሰረት መግለጺ ውድብ ኣድሕን ሕጻናት ካብቲ ነቲ ህጹጽ ኩነታት ንምግጣም ዘድሊ ምወላ እቲ ፍርቂ ጥራይ ከም እተረኽበ ኣፍሊጡ።

ብዝሒ ተመዛበልቲ

ውድብ ኣድሕን ሕጻናት ኣስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ዞባ ሩትሹሩ ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት እውን ጠቒሱ፡ ኣብኡ ህዝቢ በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ጸገም ተደሪኹ ይስደድ ከም ዘሎን ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ደገ ክሓድሩን ብዙሓት ሰባት ካብቲ ከቢድ ኵነታት ኣየር ገዛእ ርእሶም ንምድሓን መከላኸሊ ዘይብሎም እዅል መግቢ ማይን ኣገልግሎት ጽሬትን ዘይብሎም ብምዃኖም እዚ ኵነታቶም እዚ እውን ንዝርግሐ ሕማም ሽሮኽ ዓቢይ ዕድል ብምዃኑ እቲ ሕማም እናሰፍሐ ክኸይድ ይገብር ኣሎ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 Dec 2022, 15:23