ድለ

ኣብ ክፉት ባሕሪ ዝርከቡ ዝነበሩ ሮሂንጋውያን ኣብ ኢንዶነዥያ ከም ዝኣተዉ ኣብ ክፉት ባሕሪ ዝርከቡ ዝነበሩ ሮሂንጋውያን ኣብ ኢንዶነዥያ ከም ዝኣተዉ 

ኣብ ክፉት ባሕሪ ዝርከቡ ዝነበሩ ሮሂንጋውያን ኣብ ኢንዶነዥያ ከም ዝኣተዉ

ጉጅለ ጉስጓስ ሰብኣዊ መሰላት፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሆሪንጊያ ዘጋጥም ዘሎ ጸገምን ንስደት ዝዳርጎም ጸገም ንምፍታሕ ኢንዶነዥኢያ ዘባዊ ተበግስቶታት ክትመርሕ

ንሰሙናት ኣብ ውቅያኖስ ህንዲ ሆሮንጋውያን ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከባ ውድብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ድሕሪ ዝፈነዎ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ጻውዒት፡ 58 ኣብተን ስደተይናታት ሮሆንጋውያን ዝጸዓነት ኣረጊት ጀልባ ኣብ ኢንዶነዢያ ከም ዝኣተወት ዜና ቫቲካን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሰሙናት ክኸውን ዝኽእል ኣብ ክፉት ባሕሪ ነው ነጀው ዝብሉ ዝነበሩ ስደተይናታት ዓሌት ሮሂንግያ ዕለት 25 ታሕሳስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢንዶነዢያ ክም ዝኣተዉን እቶም ዝደሓኑ 58 ዓሌት ሮሂንግያ ኣብ ሓንቲ ዓረጊት ገፈፍቲ ዓሳ ዝጥቀሙላ ናይ ሞተር ጀልባ ብምጥቃም ድሕሪ እቲ መሪር ጉዕዞን ነዊሕን እሞ ንስእነት ዝስተይ ማይን መግብል ዘቃልዖም እውን ዝነበረ ንህይወት ሓደገይና ካብ ዝኾነ ጉዕዞ በቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢንዶነዥያ ብዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮምን በዞም ሰባት እዚኣቶም ተመሪሖም ናብ ኢንዶነዥያ ከም ዝኣተዉ ክንገር እንከሎ፡ ማዕከን ዜና ኣሶሺየት ፕረስ ንሓላፊ ሓለዋ ጸጥታ እቲ ከባቢ ጠቒሱ፥ እቶም ሰባት ኣብ ባሕሪ “ነዊሕን ከቢድን ጉዕዞ ድሕሪ ምክያዶም ብጥሜትን ብዋሕዲ ማይን” ይሳቐዩ ከም ዝነበሩን ገሊጹ። ካብ ባንግላደሽ ክሳብ ኢንዶነዢያ ኣስታት 2000 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፡ ነዚ ጉዕዞ በታ ንሽቶን ኣረጊትን ጃልባ ምግጣሞም ብሓቂ ዘሰንብድ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስደት

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ 700 ሺሕ ሮሂንጋውያን ካብ ሚያንማር ናብ ባንግላድሽ ከም ዝኣተዉን ኣብ መዓስከራት ስደተይናታት ከም ዝርከቡን ብዙሓት ካብቲ ዝርከብዎ ጽንኩር ኩነታት ናብ ማሌዢያ ክኽስደዱ ከም ዝፍትኑን መብዛሕቲኦም ማለዢያ ምስ ኣተዉ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝኣትው እዩ ዝንገር ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዞባዊ ምላሽ የድሊ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ማሌዥያን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ነቶም ብጀላቡ ዝጓዓዙ ሮሂንጋውያን ክቕበላ ክላበው እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኢንዶነዥያ ክልተ ጀላቡ ብምዕጋት ልዕሊ 200 ሮሂንጋውያን ከም ዘድሓነትን ፍርቆም ደቂ ኣስትንዮን ህጻናት እውን ምንባሮምን እምነስት ኢንገርናሽናል ጉጅለ ጉስጓስ ሰብኣዊ መሰላት፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሆሪንጊያ ዘጋጥም ዘሎ ጸገምን ንስደት ዝዳርጎም ጸገም ንምፍታሕ ኢንዶነዥኢያ ዘባዊ ተበግስቶታት ክትመርሕ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።

27 Dec 2022, 16:07