ድለ

ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናታት፥ መሰል ዑቕባ ይተሓሎ! ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናታት፥ መሰል ዑቕባ ይተሓሎ! 

ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናታት፥ መሰል ዑቕባ ይተሓሎ!

ሰባት ዘይሕጋውያን ኣይኮኑን ዑቕባ ምትሕታታ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን!

እቲ ብኣህጽሮተ ቃል JRS ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናታት፡ መግንስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዑቕባ ሕቶ ምቕራብ ዘይከኣል ንምግባር መደብ ከም ዘለዎ ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን ስደተይናታት ንምክልኻል ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ እንክብል ጽዋዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 14 ታሕሳስ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ኣብቲ ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ፈረንሳብ ዝርከብ በረድ ዝበዘሖ ማይ ባሕሪ ስደተይናታት ዝጸዓነት ንእሽቶ ጀልባ ብምግልባጣ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝጠሓሉን 43 ድማ ከም ዝደሓኑ ክንገር እንከሎ ልዕሊ ሳላሳ ካብኣቶም ካብ ባሕሪ ዝተጐቲ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ መራሔ መግንስቲ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ስደተይናታት ዑቕባ ንኸይሓቱ ዝኽልክል ሕግታት ንምሕንጻጽ ዘለዎም ሓድሽ መደባት ድሕሪ ምግላጾም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ምዃኑ የመላኽት።

መንግስቲ ሱናክ እቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተይናታት ብቕልጡፍ ተኣሲሮም ናብ ዝመጽሉ ንኽምለሱ ክገብር እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ናይ ኢየሱሳውያን ኣገልግሎት ስደተይናታት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ግዚያዊ ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪት መጋን ክኖውለስ ምስ ቫቲካን ረድዮ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ሓቢረን፡ እዚ እዋጅ መቕጽዕን ንዑቕባ ዕንቅፋት ዝፈጥርን እዩ።  ክብሪ ኮሎም ሰባት ንምርግጋጽን መሰል ዑቕባ ንምሕላው ብዙሕ ስጉምትታት የድሊ፡ ኣንክዲ ነቶም ስደተይናታት ጸገሞም ምምርማር ፍርሕን ገዛእ ርእስኻ ምዕጻውን ዘተባብዕ እዩ ኢለን።

ሰባት ዘይሕጋውያን ኣይኮኑን ዑቕባ ምትሕታታ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን!

መራሔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ዑቕባ ዘይከኣል ንምግባር ዝሓንጸጽዎ ሕግታት ነቒፈን፥ ዝለዓለ በራት ምዕጻው ምእሳርን ምስጓግን፡ ስደተይናታት ኣማራጺ ኣብ ዘይብሎም እዋን ንስደት ካብ ምጉዓዝ ደው ዘብሎም እይኮነን፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ንስደተይናታት ውሑስን ተበጻሒን መስመራት ዝምልከት ድንጋገታት ዘይሓወሰ እውን ምዃኑ ኣብሪሀን እቶም ዝስደዱ ካብ ግጭትን ስእነት ናጽነትን ምርግጋእን ካብ ዘይብለን ሃገራት እያቶም ዝመጹ፡ ስለዚ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዝመጽሉ ምምላስ ንሓደጋ ምቅላዕ እዩ ዝኽውን።

እቲ ዘድሊ ሰብኣዊ ክብሪ ኣፍልጦ ዝህብ ስርዓት ዑቕባ ምዃኑ ኣዘኻኺረን፥ እቲ ሓድሽ ሕግ ምስ መልእኽቲ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን እንኮላይ ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ብዘስካሕክሕ መገዲ ዝጻረር ምዃኑ ኣገንዚበን፥ እቲ ዘድሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝብልዎ “ምእንጋድን ምክልኻልን ምውህሃድን” እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

15 Dec 2022, 14:50