ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን
ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ 140 ሰባት ከም ዝሞቱን ከፍለ ከተማታት ከም ዘዕለቕለቐን ኣብ ልዕሊ ንብረትን ህይወት ከቢድ ማህሰይት ከም ዘስዓበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰብ መዚ ከተማ ኪንሻሳ፡ ብምዕልቕላቕ ማይን ምድርማስ መሬትን ምኽንያት ልዕሊ 140 ሰባት ከም ዝሞቱ ዕለት 14 ታሕሳስ ኣረጋጊጾም፡ ብውሑድ ካልኦት 12 ሰባት ገና ደሃዮም ከም ዘይተረኽበን ይዅን እምበር ብህይወት ክርከቡ ዘጠራጥር እውን ምዃኑ እንክሕብሩ፡ ሚኒስትር ጥዕና ሊዛ ነምባሌምባ ብስልኪ ምስ ኣሶሺያተድ ፕረስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ብህይወት ክርከቡ እዮም ዝብል ተስፋ የለን” ቢለን፡ መንግስቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ከም ዝኣወጀ እንክሕብራ፡ እቲ ዕለት13 ታሕሳስ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ምፍራስ መሬትን ዝተሃሰያ 24 ክፍለ ከተማ ኪንሻሳ ብጠቕላላ ኣስታት 12 ሚሊዮን ሰባት ዝነብሩለን ከም ዝኾናን 40 ሺሕ ኣባይቲ ትሕተ ማይ ከም ዘጥሓለን 300 ኣባይቲ ከም ዘባደመን ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ይገልጹ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዕንወት መሰረተ ልምዓት
ርእሰ ብሔር ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ዚሰከዲ ካብቲ ኣብ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝሳተፉላ ዘለዉ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ መዓት ምስ ተሓበሩ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ሰበ ስልጣን ጻዕርታት ምሕዋይ ከቀላጥፉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ሓቢሩ፥ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን ዝተጐድኡን ኣባይቲ ስድራኦምን መንግስቶም ሓገዝ ከቕርብ መምርሒ ከም ዝሃቡን እቲ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ መላእ እታ ከተማ ዕንወት ከም ዘስዓበን ሓደ ቀንዲ ጽርግያ እታ ከተማ ከም እተቖርጸን መብዛሕቲኡ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ማይ ጥሒሉ ከም ዝርከብን ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ፥ “ብዓል መዚ ከተማታት ንዓቐን ከምዚ ዝኣመሰሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ንምካይ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ዓበይቲ ህንጻታትን ትሕተ ቅርጽን ብዕቱብ ትኩረት ክገብር ከም ዝግብኦ ህጹጽ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።