ድለ

ኣብ በዓለ ልደት - ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ኮሎምብያ ኣብ በዓለ ልደት - ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ኮሎምብያ 

ኣብ በዓለ ልደት - ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ኮሎምብያ

እቲ ኖርወይ እተጣጥሖን ዋሕስን ዝኾነቶ ኣብ መክሲኮ ዝካየድ ናይ ሰላም ዘተ ካልኣይ ዙር ክካየድ ምዃኑ

ኣብ ኮሎምብያ ኣብ መንጎ ሃገራዊ  ሰራዊት ሓርነትን መንግስትን ካብ ዋዜማ በዓለ ልደት ክሳብ ዕለት 2 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከም እተበጽሐን እዚ እውን ምእንቲ ዕርቂ ዝካየድ ናይ ዘተ ሰላም ክህሉ ንዝሕግዝ ኣጋጣሚ ዕድል ዝህብ ክኽውን ከም ዝኽእል ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቀጻሊ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበሃል ዘሎ ምልክት ተስፋን ሰናይ ድሌትን እዩ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘሎ ኣብ ኮልምብያ ዝተበጽሐ ካብ ዕለት 24 ታህሳስ 2022 – 2 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝኽበር ናይ መንግስቲ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሰራዊት ሓርነት ዕጥቃዊ ስጒምቲ እንተ ድኣ ዘይወሰደን ካልእ እቲ ሃገራዊ ስራዊት ሓርነት መጥቓዕቲ ክፍጽም ዝድርኾ ተግባራት ካብ ናይ መንግስቲ ሰራዊት እንተ ዘይተፈጸመ ጥራሕ ምዃኑ ሃገራዊ ሰራዊት ሓርነት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዘፍለጠ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዘተ ሰላም

ድሕሪ እቲ ተሪር መስመር ዘለዎ ሃገራዊ ሰራዊት ሓርነት ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ ቦጎታ ኣብ ዝርከብ መደበር ተቕዋም ሓይሊ ጸጥታ 22 ሰባት ንሞት ዝዳረገ ቦምቢ ዝተጸምዳ ማኪና ብምጥቓም ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኮሎምቢያን ሃገራዊ ሰራዊት ሓርነት ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሰላም ዘተ ንሰለስተ ዓመታት ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ምጅማሩ ዝሕብር ናይ ተስፋ ምልክት ምዃኑ ዝንገረሉ ኮይኑ፡ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኮሎምብያ ጉስታቮ ፐትሮ ንሐፈሻዊ ውጥን ሰላም ዕድል ክህቡ ቃል ኣትዮም ከም ዝነበሩን ዕለት 12 ታሕሳስ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ቢሊዮናት ዝቑጸር ዝተዓግተ ሃብቲ ብዝህልው ናይ ሰላም ስምምዕ መሰረት ናጻ ኮይኑ ንማሕበራውን መግባውን ትምህርታውን መደባት መሳለጢ ክውዕል ከምኡ እውን ንዝደኸዩን ኣዚዮም ጽጉማትን ንዝኾኑ ክፍል ሕብረተሰብ ኮሎምቢያ ንምሕጋዝ ኣብ ዘኽእል መደባት ክውዕል ዝብል ስምምዕ ከም ዝገበሩን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ እቲ ኖርወይ እተጣጥሖን ዋሕስን ዝኾነቶ ኣብ መክሲኮ ዝካየድ ናይ ሰላም ዘተ ካልኣይ ዙር ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ኮሎምብያን መክሲኮን ምንጭታት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ናይ 2016 ዓ.ም. ስምምዕ ሰላም ምስ ሶውራዊ ግንባር ሓይልታት ኮሎምቢያ

ሃገራዊ ሰራዊት ሓርነት ካብ 1964 ዓ. ም. ንሻምብቆታት ነዳዲ መንግስታዊ ትካላትን ብምጥቓዕ ጭውያታትን ብምፍጻም ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ሎሚ እውን ከም ዘየብቀዔን ኣብቲ ዓመት እቲ እውን ሶውራዊ ግንባር ሓይልታት ኮሎምብያ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ግንባር ዕጡቓት ሓይሊ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ከም ዝጀመረን እዚ ሶውራዊ ግንባርን መንግስቲ ኮሎምብያን ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ተበጺሑን እቲ ግንባር ሎሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ ኮይኑ ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ዝዋሳእ ከም ዝኾነን እዚ ተመሳሳሊ ዕድል እዚ እውን ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ሓርነት ክብጻሕ ናይ ብዙሓት ተስፋን ጸሎትን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

21 Dec 2022, 15:51