ድለ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማሊያ ዝተፈጸመ ‘ጽዩፍ መጥቓዕቲ’ ይዅንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማሊያ ዝተፈጸመ ‘ጽዩፍ መጥቓዕቲ’ ይዅንን 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማሊያ ዝተፈጸመ ‘ጽዩፍ መጥቓዕቲ’ ይዅንን

ናይ ሶማል ርእሰ ብሔር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ሃይሊ ኵለ መዳያዊ ኵናት ብምእዋጅ ድሕሪ እቲ ብተደጋጋሚ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣሸበርቲ ዝካየድ ግብረ መልሲ ከሐይሉ

ናይ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ብውሕዱ 100 ዜጋታት ንሓደጋ ሞት ዘቃልዔ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኮኒኖም፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽቲ ጸንፈይናታት ኣብ ጎድኒ ሶማሊያ ደው ከም ዝብሉን ብምትሕብባር እውን ከም ዝዓዩ ብምርግጋጽ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ሶማሊያ ኣብ እተካይዶ ዳግማይ ሕንጸትን ኣብ እትስጒሞ ጐደና ሰላምን ኵለ መደያዊ ድጋፍ ክቕርብ ጻውዒት ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ኣብ ሞቓዲሾ ዝተፈጸመ ብውሑዱ 100 ዜጋታት ንሞት ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዘቝሰለ መጥቓዕቲ ኮኒኖም፡ ንስድራ ቤት ግዳያታ ከምኡ እውን ንመንግስትን ህዝብን ሶማሊያ ዝተሰመዖም ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ምስ ሶማሊያ ብምትሕብባር ኣንጻር ጸንፈይናውያን ዓመጽቲ ጒጅለታት ደው ከም ዝብል ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሽበራዊ መጥቃዕቲ

ኣብ ኣፈት ናይ ሶማሊያ ሚኒስትር ትምህርቲ ሕንጻ ዝተፈጸመ ማንታ መጥቃዕቲ ብጀካ እቶም ዝሞቱ ካልኦት ልዕሊ 300 ዝግመቱ ዜጋታት ከም ዘቝሰለ ክንገር እንከሎ፡ ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ተሓታቲ እየ እንክብል ኣብ ሶማሊያ ናይ ኣልቃይዳ የማናይ ኢድ ዝኾነ ኣኽራሪ ጒጅለ ኣልሻባብ ከም ዝግለጸ ካብቲ ከባቢ ዝወጸ ምንጪ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኻዊ ምላሽ

ናይ ሶማል ርእሰ ብሔር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ሃይሊ ኵለ መዳያዊ ኵናት ብምእዋጅ ድሕሪ እቲ ብተደጋጋሚ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣሸበርቲ ዝካየድ ግብረ መልሲ ከሐይሉ ቃል ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘገልግል ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ምስ ኵሎም ሶማላውያን ኣብ ተልእኾ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ደው ከም ዝብል ቃል ከም ዝኣተወን ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስታትን ነቲ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Nov 2022, 15:35