ድለ

ብራዚል፥ ሓድሽ ምሩጽ ርእሰ ብሔር፥ ምብራስ ኣግራብ ኣማዞን ደው ከብሉ ቃል ይኣትዉ ብራዚል፥ ሓድሽ ምሩጽ ርእሰ ብሔር፥ ምብራስ ኣግራብ ኣማዞን ደው ከብሉ ቃል ይኣትዉ 

ብራዚል፥ ሓድሽ ምሩጽ ርእሰ ብሔር፥ ምብራስ ኣግራብ ኣማዞን ደው ከብሉ ቃል ይኣትዉ

ብዘይ ኣማዞን ዓለም ብፈሓም መሰረት ዝገበረ ልቀት በካሊ ኣየር ክትሕንክስን ክትሕነቕን እያ፡ እዚ ድማ ንከባቢ ክምርዝ እዩ። ነዚ ንምክልኻል ኣምዞን ወሳኒ መፍትሒ እዩ። እንጽበየ ግዜ የሎን ግዜ ይውዳእ ኣሎ”

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 1 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ስልጣኖም ብወግዒ ዝርከቡ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ዝሰዓሩ ሉውይዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ “ምብራስ ኣግራብ ኣማዞን ደው ብምባል ሃገሮም ኣብ ምዕጋት ለውጢ ከባቢ ኣየር መራሒት ክትከውን ኣበርቲዖም ክዓዩ ምዃንም ቃል ይኣትዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምሩጽ ርእሰ ብሔር ብራዚል ልዊይዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወደበ ካብ ዕለት 6 – 18 ሕዳር ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ ምስሪ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝተዋጽኡ መራሕቲ ሃገራት ኣሳቲፉ ኣብ ከተማ ሻርም ኤል ሸኽ ዝተኻየደ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ምብራስ ኣግራብ ኣማዞን ደው ብምባል ሃገሮም ኣብ ምዕጋት ለውጢ ከባቢ ኣየር መራሒት ክትከውን ኣበርቲዖም ክዓዩ ምዃንም ቃል ኣትዮም፡ ዕለት 1 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ብወግዒ ምስ ተረኸቡ እውን ነዚ ቃል እዚ ናብ ግብሪ ክትርግምዎን እዚ እውን ናይ መንግስቶም ናይ መጀመርያ ዛዕባ ከም ዝኸውን ሓቢሮም፡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ 60 ሚእታዊ ኣማዞናዊ ሓምላይ ሃብቲ ኣብ ብራዚል ሱር ዝስደደ ንሸሞንተ ሃገራት ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ፡ ምሩጹ ርእሰ ብሔር ብራዚል ሉላ “ብዘይ ኣማዞን ዓለማዊ ድሕነት የሎን፡ ዜሮ ምብራስ ኣግራን ንምዕዋት እውን ዝድለ ኵሉ ክንገብር ኢና” ቢሎም ንልኡኻት ተጋባእያን ዋዕላ ከባቢ ኣየር እቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ኣብ ኣማዞን ክካይድ ሓሳብ ኣቕሪቦም ከም ዝዓድሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ድማ ነቲ ንምድሓን ከባቢ ኣየርን ካብ ብከላ ንምድሓን ንዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምቑራጽ ኣግራብ ኣማዞን ካብቲ ካብ 15 ዓመታት ንጀጀው እቲ ዝለዓለ እዩ” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ።

ሉላ መብጽዓኦም ንኽፍጽሙ ንሓያላት ረብሓታት ሕርሻ ምቑራጽ ኦምን ዕደናን ብእተራቀ እደ ጥበባዊ መስርሕ ንምቁጽጻር ብዘኽእል ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክእትውዎን እዚ እውን ተሓታትነትን ሓላፍነታውነትን ክህሉ ንምሕጋዝ ከም ዝኾነን ሃገራዊ ትካል ከባቢ ኣየር ክምስረት ምዃኑን ዓለም ኣብ ምወላ ምክንኻን ኣማዞም ኣበርክቶ ክትገብር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ውጺኢት ናይዚ ኵሉ ድማ ርኡይ ክኸውን እዩ። ብዘይ ኣማዞን ዓለም ብፈሓም መሰረት ዝገበረ ልቀት በካሊ ኣየር ክትሕንክስን ክትሕነቕን እያ፡ እዚ ድማ ንከባቢ ክምርዝ እዩ። ነዚ ንምክልኻል ኣምዞን ወሳኒ መፍትሒ እዩ። እንጽበየ ግዜ የሎን ግዜ ይውዳእ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Nov 2022, 15:27