ሰሜን ኮርያ፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክጥቀም እየ ትብል
ብዘይካ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ኲናት ንማሕበረሰብ ዓለም ዘሻቕል ሓያል ምኽንያት ካብ ሰሜን ኮርያ ይመጽእ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ እዚ እውን ናይ ሰሜን ኮርያ ርእሰ ብሔር ኪም ዮንግ ኡን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝወጣወጥ ዝኾነ ይዅን ስግኣት ንኽትከላኸል ብኑክለሳዊ እጽዋር ዝተሰነየ ኵለ መዳያዊ መጥቓዕቲ ክትፍንዉ ስንድውቲ እያ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ይንገር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋረን ዝፍነው ምፍርራሕን ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ሙከራ ተወንጫፊ ኑክለሳዊ ብስሩዕ ዝደጋገም ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዓለም ካብ ቀደም ሎሚ ብዝያዳ ኵለ መዳያዊ ኵናት ክባራዕ ብዝገብሩ ምስሕሓባት ዝረኣየላ ኮይና ከም ዘላን ብፍላይ ሰሜን ኮርያ በዚ ጉዳይ እዚ እትጥቀስ ኮይና ከም ዘላን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ባሕረ ጃፓን እውን ተወንጫፊ ርእሰ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዝፈነወትን እቲ ዝተኻየደ ፈተና እውን ባዕሎም ናይ ሰሜን ኮርያ ርእሰ ብሔር መሪሖም ዝተኸታተልዎ ምንባሩ ከይሲኤንአይ እተሰምየ ናይ ሰሜን ኮርያ ምንጪ ዜና ዝጥቀሰናይ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ክፍጠር ንዝኽእል ስግኣትን ንዝፍነው መጥቓዕቲ ብኣቶማዊ ኣጽዋር ‘ግብረ መልሲ’ ክንህበሉ ኢና እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑን እቲ ዝተኻየደ ግብረ ምውንጫፍ ሚሳይል ወተሃደራዊ ፍታነ ባዕሎም ከም ዝመረሕዎ የመላኽት።