ድለ

ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተፈጸመ ማንታ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተፈጸመ ማንታ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 

ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተፈጸመ ማንታ ሽበራዊ መጥቃዕቲ

እቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞ እስራኤላዊ - ካናዳዊ ተመሃራይ ስነ ሃይማኖት ከም ዝኾነን ክሳብ ሕጂ ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ፍንጀራ ተሓታቲ እየ ዝበለ ጉጅለ እውን ኣይሀሉ

ዕለት 23 ሕዳር ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኢየሩስሌም ብዘጋጠመ ክልተ ዝተፈላለየ ፍንጀራ ሓደ መንእሰይ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞን ብውሕዱ ደርዘን ሰባት ሓደጋ መቝሰልቲ ከም ዘጋጠሞም ክንገር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢየሩሳሌም ብዘጋጠመ ክልተ ፍንጀራታት ኣመልኪቱ ናይ እስራኤል ራዲዮ ከም ዝሓበሩ እቲ ፍንጀራ ኣብ ወሰን ክፍለ ከተማ ኢየሩሳሌም ጹዕቕ ቦታን ኣብ ጽዑቕ ሰዓታት ዝተፈጸመ ምዃኑ ከም ዝፍለጠ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ቀዳማይ ሰዓት ሸውዓተ ኣብ መእተዊ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት፡ እቲ ካልኣይ ድማ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ኣብ ራሞት ኣብ ዝርከብ መደበር ኣወቶቡስ ዝተፈጸመ ምዃኑ የመላኽት።

እቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞ እስራኤላዊ - ካናዳዊ ተመሃራይ ስነ ሃይማኖት ከም ዝኾነን ክሳብ ሕጂ ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ፍንጀራ ተሓታቲ እየ ዝበለ ጉጅለ እውን ኣይሀሉ፡ ፍልስጥኤማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት ሓማስን እስላማዊ ጅሃዳውያን ግን ነቶም ፍንጀራዊ መጥቓዕቲ ዘጻወዱ ገበነይናታት ዝናኣዱ እያቶም እንክብሉ መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ምንጭታት እስራኤል ጠቒሱ የመላኽት። መራሔ መንግስቲ እስራኤል ያየር ላፒድ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጸጥታን ደሕንነትን ዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ጸጥታን ደሕንነትን ገምጋሚ ኣኼባ ከም ዘካየዱን እዚ መጥቓዕቲ እዚ ዝተፈጸመ ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ንኽኾኑ ዝተመዙ ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣኽራሪ የማናዊ ዘመም ፖለቲካ ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቶምን ሓድሽ ጥምረታዊ  መግንስቲ ንምቛም ኣብ ዝፍትሉን ዘሎ እዋን ምኽኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

24 Nov 2022, 16:14