ድለ

ውሳኔ መራሕቲ ጒጅለ 20 ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ጸረ ኡክሬይን መጥቓዕቲ ውሳኔ መራሕቲ ጒጅለ 20 ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ጸረ ኡክሬይን መጥቓዕቲ 

ውሳኔ መራሕቲ ጒጅለ 20 ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ጸረ ኡክሬይን መጥቓዕቲ

መራሕቲ ብኢዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ጉጅለ 20 ሃገራት፡ ካብ ዕለት 15 – 16 ህዳር ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኡክሬይን እተካይዶ ዘላ ወራር ከተወግድን ከምኡ እውን ካብ ዝሓዘቶ መሬት ዩክሬይን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትወጽእ

ካብ ዕለት 15 – 16 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣብ ባሊ ዝተኻየደ ናይ ጉጅለ 20 ሓገራት መራሕቲ ዋዕላ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ንመጥቃዕቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ወራርን ዘይቕቡል እንክብል ከም ዝኾነነን፡ ከምኡ እውን ዛዕባ ለውጢ ናይ ከባቢ ኣየርን ንጹሕ ጸዓትን ኣብ ዝብሉ ካልኦት ኣርእስታት እውን ውሳኔ ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሕቲ ብኢዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ጉጅለ 20 ሃገራት፡ ካብ ዕለት 15 – 16 ህዳር ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኡክሬይን እተካይዶ ዘላ ወራር ከተወግድን ከምኡ እውን ካብ ዝሓዘቶ መሬት ዩክሬይን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትወጽእ ከም ዝጠለቡን መብዛሕቲኦም ናይቲ ጉጅለ ኣባል ሃገራት መራሕቲ ነቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ብትሪ ከም ዝኾነኑን እዚ ውግእ እዚ እውን ኣብ ዓለም ቁጠባ ዘይተኣደነ ሰብኣዊ ስቓይ የስዕብ ከምዘሎን ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ዝጸንሐ ቅልውላው የጋድዶ ኣሎ እንክብሉ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኲናት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዕብየት ምድራት ምውሳኽ ዋጋን ሰንሰለት ቀረብ ምዝራግ ምውሳኽ ዘይውሕስነት ጸዓትን መግብን ከምኡ ንቁጠባዊ ምርግጋእ ሓደጋ ኮይኑ ኣሎ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ውሕስነት መግብን ጸዓትን ለውጢ ከባቢ ኣየር

እቲ 52 ሕጡብ ጽሑፋት ዝሓዘ ናይ ጉጅለ 20 ህገራት መራሕቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ብጀካ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ካልእ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣርእስታት ከም ዝተንከፈን ኣብ ምላሽ መምርሒ ደቂቕ ኤኮኖምን ምትሕብባርን ተዓጻጻፍነት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ድሕነት መግብን ጸዓትን ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ንምርግጋእ ዕዳጋትት ዝድርኽ ስጉምታት ክውሰድ ከምዘለዎ ገሊጹ፡ ብተወሳኺ እቶም መራሕቲ ምስ ተፈጥሮ ዝሰማማዕ ኣፍራይነትን ዘላቕነትን ዘዕብዩ ምህዞኣዊ ኣሰራራሓታትን ሓደስቲ እደ ጥበብን ክተባባዕ ገሊጾም፥ “ተበጻሕነት ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰልን ንዅሉ ዝሓቁፍ ዘላቕን ቁጠባዊ ምሕዋይ ኣገዳሲ መሳርሒን እዩ” እንክብል እቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣዋጅ ኣመልኪቱ፥ “ጾታዊ ማዕርነትን ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሕመረት ጻዕርታት ንኹሉ ዝሓቝፍ ምሕዋይን ዘላቒ ልምዓትን ንምቕማጥ እውን የድሊ” እንክብሉ ኣጽኒዑ ከም ዘተሓሳሰበ ዜና ቫቲካን የመኽት።

ኢንዶነዥያ ናይ ጉጅለ 20 ሃገራት መራሕቲ ኣቦ መንበርነት ሓላፍነታ ተረክብ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኢንዶነዥያ ናይ ጉጅለ ዕስራ ሃገራት መራሕቲ ናይ ኣቦ መንበር ሕላፍነታ በቲ ዘእነገደቶ ዋዕላ ኣቢላ ከም ዝዛዘመት ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ጆኮ ዊዶዶ ገሊጾም፡ ናይ ኣቦ መንበር ሓላፍነት ንናይ ህንዲ መራሔ መግንስቲ ናረንድራ ሞዲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሓላፍነት ዘረከቡ ርእሰ ብሔር ኢንዶነዥያ ዎዶዶ እውን መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ንሓድሽ ኣቦ መንበር መራሔ መግንስቲ ህንዲ ሞዲ ክድግፉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ጉጅለ 20 ኣብ ምምራሕ እውን ህንዲ ውጽኢታዊት ከም እትኸውን ዘለዎም እምነት ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

17 Nov 2022, 15:50