ድለ

ጒጅለ 20 ሃገራት፥ ኣብ ባሊ ኣብቲ ስንኵል ዓለም ፍታሓዊ ምዕባለ ንምስራጽ ጒጅለ 20 ሃገራት፥ ኣብ ባሊ ኣብቲ ስንኵል ዓለም ፍታሓዊ ምዕባለ ንምስራጽ 

ጒጅለ 20 ሃገራት፥ ኣብ ባሊ ኣብቲ ስንኵል ዓለም ፍታሓዊ ምዕባለ ንምስራጽ

ናይተን ዕስራ ሃገራት ሃይማኖታዊ ጉባኤ ንቁጠባዊ ዕብየት ንምትብባዕ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ዓለም ምትሕግጋዝን ምክብባርን ንምድንፋዕ ማዕረ ማዕረኡ ዓውደ ጒባኤ

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ምስ ዓለማዊ ቍጠባ ዝተኣሳሰሩ ዓበይቲ ጉዳያት ንምፍታሕ ኣብ ባሊ ብኢንዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ሃገርት 20 ጒባኤ ኣብ ዝእከበሉ እዋን ማዕረ ማዕረ እውን ናይዘም ዕስራ ሃገራት ንግዳዊ ጉባኤን ከምኡ እውን ሃይማኖታዊ ጉባኤ፥ ምትሕብባር ንምንቕቓሕን ነዊሕ ዝኣመተ ራእይን ክረጋገጽ ጻውዒት ንምቕራብ ካክየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓቍፍ ብጠቕላላ ጒጅለ 20 ሓገራት መንግስታት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ ኢንዶነዢያ ርእሰ ከተማ ባሊ ዓውደ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ዓውደ ጒባኤ ምስ ዓለማዊ ቍጠባ ዝተኣሳሰሩ ዓበይቲ ጉዳያት ከም ኣህጉራዊ ምምሕዳር ሃብቲ ገንዘብን ምወላን ንምርግጋእ ምውጋድ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ከምኡ እውን ዘላቒ ልምዓት ኣብ ዝዝትይሉ እዋን ናይተን ዕስራ ሃገራት ንግዳዊ ጉባኤን ናይተን ዕስራ ሃገራት ሃይማኖታዊ ጉባኤ ንቁጠባዊ ዕብየት ንምትብባዕ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ዓለም ምትሕግጋዝን ምክብባርን ንምድንፋዕ ማዕረ ማዕረኡ ዓውደ ጒባኤ ከካይዱ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብፍላይ ድማ ናይ ሃገራት ዕስራ ናይ ሃይማኖታት ጒባኤ ሃይማኖት ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሃይማኖታት ከም መፈላለዪ ዘይኮነስ ንቑሕ ምንጪ ፍታሕ ኮይኑ ኣብ ዓለም ዓቢይ ኣበርክቶ ክገብር ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ፥ ሓባራዊ ጽልኢ ንምውጋድ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ንምድንፋዕ ኣብ ማዕረ መሰላትን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተመስረተ ፍትሓውን ስኑይን ዓለማዊ ስርዓት ንምንቕቓሕን ንምዕባይን ዝጠልብ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

12 Nov 2022, 16:14